ካብ ኣባይ ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ - ኢዜአ ትግርኛ
ካብ ኣባይ ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ
ካብ ኣባይ ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ
መፅሄት ነጋሪ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ማይ ኣባይን ድልየት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያን ብሰፊሑ ተንቲናቶ ኣላ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ 25 መስከረም 2019 ዓ.ም ኣብ ምስረታ መንግስቲ መደመር፣ " ስልጣነ ኢትዮጵያ ብዘይ ኣፍ ደገ ባሕሪ ጋህዲ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ" ብምባል እታ ሃገር ኣፍ ደገ ባሕሪ ንኽትረክብ ብትግሃት ከም ዝሰርሑ ኣረጋጊፆም እዮም።
እዚ ፃዕሪ ብሰላማዊ ዘተ፣ ብሓባራዊ ተጠቃሚነትን ብመትከል “ሂብካ ምቕባልን” ከም ዝምራሕ ብምግላፅ፣ እቲ ጉዳይ ምስ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪካ፣ ቀይ ባሕርን ማእኸላይ ምብራቕን ይቀያየር ምስ ዘሎ ጂኦፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ኩነታት ኣዛሚዶም ኣቕሪቦምዎ እዮም።
እታ መፅሄት ኣብ መስከረም 2019 ዓ.ም ሕታማ “መንገዲ ትንሳኤ ኢትዮጵያ ፣ ካብ ኣባይ ክሳብ ፖለቲካ ቀይ ባሕሪ ዝዘለቐ ንሕንሕ” ብዝብል ርእሲ ኣብ ዘቕረበቶ ትንታነ፣ ሃፍቲ ማይ፣ መባፅሒ ባሕሪ፣ ዓለምለኻዊ መስመራት ንግድን ዞባዊ ፀጥታን ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ኣሰላልፋ ሓይሊ ዝፈጥሮ ፅልዋን ዳህሲሳቶ ኣላ።
ከም ትንታነ እታ መጽሄት፣ ኣባይን ቀይ ባሕርን ብተፈጥሮ ፍሉያት አካላት ማይ እኳ እንተኾኑ፣ ኣብ ዘመናዊ ጂኦፖለቲካዊ ስሌት ግን ኣብ ኣጠቓቕ ማይ፣ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ፣ ናይ ብመባፅሒ ባሕሪን ድሕነትን ዝተኣሳሰሩ እዮም።
ሩባ ኣባይ ንኢትዮጵያን ነተን ተፋሰስ ሃገራትን ንሓይልን ልምዓትን ረብሓ ክህልዎ እንተሎ፣ ቀይ ባሕር ድማ ንኣፍሪካ፣ ኤስያን ኤውሮጳን ዘራኽብ ወሳኒ ዓለምለኻዊ መስመሪ ንግድን ባሕሪን እዩ።
ብፍላይ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፣ ማይ ኣባይ ብፍትሓዊነትን ሓባራዊ ተጠቃሚነትን ናይ ምምሕዳር ሕቶን ድልየት መባፅሒ ባሕሪ ኢትዮጵያን ኣብቲ ዞባ ፖለቲካን ድሕነትን ስሌት ዘብፅሖ ፅልዋ እታ መፅሄት ብሰፊሑ ተንቲናቶ ኣላ።
እቶም ውዕላት ማይ 1929ን 1959ን ነቲ ላዕለዋይ ተፋሰስ ሃገራት ረብሓ ብእኹል ከም ዘይሓወሶ ብምግላፅ፣ ኣጠቓቕማ ማይ እቲ ሩባ ብፍትሓዊነት፣ ብምትሕብባርን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ኣብ ዝተመስረተ ማዕቐፍ ክምርሕ ከም ዘለዎ ኣመልኺታ ኣላ።
ኢትዮጵያ ድሕሪ 1993 ዓ.ም መባፅሒ ባሕሪ ምስኣና ስዒቡ፣ እቲ ጉዳይ ካብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ሓሊፉ ምስ ሃገራዊ ድሕነትን ድልየት ልምዓት ነዊሕ እዋንን ከም ዝተሓሓዝ እታ መፅሄት ኣብራህሪሃቶ ኣላ፡፡
ኣፍ ደገ ባሕሪ ምርካብ ንምቕናስ ወፃኢ ንግዲ፣ ኣማራፂታት ወደብ ንምስፍሕን ዕብየት ኢኮኖሚ ንምድጋፍን ወሳኒ ምዃኑ’ውን በሲፉሑ ተንቲናቶ ኣላ።
ብኻልእ ወገን፣ ቀይ ባሕሪ ምስ ኤስያ፣ ኣፍሪካን ኤውሮጳን መስመራት ንግዲ ዘራኽብ ስትራቴጂካዊ መተሓላለፊ ባሕሪ ብምዃኑ፣ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኵነታት ፀጥታ ካብ ከባባዊ ርክባት ሓሊፉ ዓለምለኻዊ ዋሕዚ ንግዲ ዝፀሉ እዩ።
እታ መፅሄት ስትራቴጂካዊ ኣገዳስነት ቀይ ባሕሪ ምስ ቦይ ስዊዝን መተሓላለፊ ባሕሪ ባብ-ኤል መንደብን ኣዛሚዳ ዳህሲሳቶ ኣላ፤ ኣብቲ ከባቢ ዝካየዱ ንሕንሓት ሓይሊ ስግኣት ንግድን ፀጥታን ከም ዘጋድዱ ተንቲናቶ ኣላ።
እታ መፅሄት ኣብ ትንታኔኣ ድልየት መባፅሒ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምስ ፖለቲዊ መርገጺታት ሃገራት እቲ ዞባ ኣዛሚዳ ዝተፈላለዩ ትንታኔታት ኣቕሪባ እያ።
ይኹን እምበር እዞም ኣብ እታ መፅሄት ዝቐረቡ ትንታነታት ፖለቲካ እንተኾኑ፣ እቶም ዝተጠቕሱ መርገፂታትን ክስታትን ካብ ዝተረጋገፁ ሓቅታት ምፍላይ የድሊ።
እታ መፅሄት ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ኣባይን ጉዳይ ኣፍ ደገ ባሕሪን ዝለዓሉ ዘለዉ ዘይምርድዳኣት ብጎንፂ ዘይኮነስ ብዘተ፣ ብድርድርን ብመትከል ሓባራዊ ተጠቃሚነትን መፍትሒ ክረኽቡ ከም ዘለዎም ኣጕሊሃ ኣርእያ ኣላ።
ሃፍቲ ማይ ብፍትሓዊነት ምምሕዳርን ጉዳይ ኣገፍ ደገ ባሕሪ ብሰላማዊ ስምምዕነት ምፍታሕን ንዞባዊ ምርግጋዕ፣ ንኢኮኖሚያዊ ምትሕብባርን ንዘላቒ ልምዓትን ወሳኒ ምዃኑ ኣብ ትንታኔኣ ኣመልኺታ ኣላ።