ኢትዮጵያ ብኹለመደያዊ ጉዕዞ ልምዓታን ኣብ ልምዓት ቀዳማይ ህፃናትብዘመዝገበቶ ዓወትን ንኣፍሪካ ሓዱሽ ምዕራፍ ተስፋ እዩ

ኣዲስ አበባ፤ መስከረም 29/2019 (ኢዜአ)፦ ኢትዮጵያ ብኹለመደያዊ ጉዕዞ ልምዓታን ኣብ ልምዓት ቀዳማይ ህፃናት ብዘመዝገበቶ ኣስደናቒ ዓወትን ንኣፍሪካ ከተኣሳስር ዝኽእል ሓዱሽ ምዕራፍ ተስፋ ምዃኑ ምክትል ፕረዚደንት ናይጀሪያ ካሺም ሸቲማ ገሊፆም።
ብምክትል ፕረዚደንት ናይጀሪያ ካሺም ሸቲማ ዝምርሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ናይጀሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት የካይድ ኣሎ።
እቲ ልኡኽ ሎሚ ምስ ከንቲባ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ አበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዙሪያ ዕብየት ህፃናትን ልምዓት ከተማን መድረኽ ልውውጥ ተሞክሮ ኣካይዱ።
ምክትል ፕረዚደንት ናይጀሪያ ካሺም ሸቲማ ኣብቲ ዘተ፤ ኣብ ኢትዮጵያን ኣዲስ አበባን ዝተሰርሑ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ልምዓትን ኣብ ልምዓት ቀዳማይ ህፃናት ንዝተመዝገቡ ውፅኢት ናእዶም ገሊፆም።
ዕብየት ኢትዮጵያ ዝረአን ዝጭበጥን ምዃኑ ብምሕባር፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓለዋ ህፃናትን ንልምዓት ቀዳማይ ህፃናት ዝሃቦ ትኹረት ኣሞጊሶም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓትን ኣሰራርሓ ሓለዋ ህፃናትን ንምምሕያሽ ህይወት ብዙሓት ሰባት ዓቢዪ ኣበርክቶ ከም ዘለዎም ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንተጠቃምነትን ድሕነትን ህዝቦም ቀዳምነት ሂቦም ምስራሖም እውን ንኢዶም።



ናይጄሪያን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ብሓባር ብምስራሕ ኣወንታዊ ፅልዋ ክፈጥራ ተኽኢለን እዚ ክፍለ ዘመን ናይ ኣፍሪካ ዘመን ከም ዝኸውን እምነቶም ገሊፆም።
ኣፍሪካ ካብ ነባር ዘመን ሕርሻን ኢንዱስትሪን ሓሊፋ ሐዚ ኣብ ፍልጠት ናብ ዝተመስረተ ሰብ ስራሕ ብልሕን ዘመን ዓበይቲ ሓበሬታታትን ክትኣቱ ዓቕሚ ኣእምሮ መንእሰያት ምዕባይ ወሳኒ ምዃኑ ኣገንዚቦም።
መንግስትን ህዝብን ናይጄሪያ ካብ ውፅኢታዊ ዓለምለኻዊ ተሞክሮታት ንምምሃርን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻርን ድሉው ምዃኑ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም