ኣዲስ ኣበባ መፃኢ ወለዶ ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ እናተሃነፀት እያ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣዲስ ኣበባ መፃኢ ወለዶ ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ እናተሃነፀት እያ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 29/2019 (ኢዜኣ) ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንመፃኢ ወለዶ እውን ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ እናተሃነፀት ከም ዝኾነት ከንቲባ ምምሕዳር እቲ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ብምክትል ፕሬዚዳንት ናይጀሪያ ካሺም ሸቲማ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዕቤት ህፃናትን ልምዓትን ከተማን ልውውጥ ልምዲ ገይረን።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ኣብታ ከተማ ኣብ መንገዲ፣ኣባይቲ፣ትራንስፖርት፣ወሰና ወሰን ሩባ፣ፓርክታትን ዲጂታል ኣገልግሎታትን ከምኡ እውን ካልኦት ሰፋሕቲ ስራሕቲ ልምዓት ተሳሊጦም እዮም።
ዕቤት እታ ከተማ ሂወት ሰባት ዝቕይር ከም ዝኾነ እውን ተዛሪበን።
እታ ከተማ ናይ ሎሚ ድሌት ጥራሕ ዘይኮነስ መፃኢ ወለዶ እውን ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ እናተሃነፀት እያ ኢለን።
ኣዲስ ኣበባ ንህፃናት ምችው ንምግባር ሰፋሕቲ ስራሕቲ ከም ዝተሳለጡን ቁፅሪ መፃወቲ ሜዳታትን መፅንሒ ማእኸላትን ብዝለዓለ ኩነታት ከም ዝወሰኸን ኣመላኺተን።
ምገባ ቤት ትምህርቲ፣ምስፍሕፋሕ ተበፃሕነት ቅድመ ስሩዕ ትምህርትን ኣብ ዕቤት ህፃናትን ደገፍ ምግባር ንቀፃሊ ወለዶ ዝግበር ዓብይ ኢንቨስትመንት ከም ዝኾነ ኣረዲአን።