ክልትኣዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ህንድን ንምጥንኻር ሓበረዊ ቁሩብነቶም ኣረጋጊፆም - ኢዜአ ትግርኛ
ክልትኣዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ህንድን ንምጥንኻር ሓበረዊ ቁሩብነቶም ኣረጋጊፆም
ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም /29/2019 (ኢዜኣ)፦ ክልትኣዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ህንድን ንምጥንኻርን ንምስፋሕን ሓበረዊ ቁሩብነቶም ገሊፆም ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ህንዲ ሱብራማንያም ጃይሻንካር (ዶ/ር) ኣብ ክልተኣዊ ርክብን እዋናዊ ዞባዊ ጉዳያትን ኣድሂቦም መኺሮም።
እቶም ሚኒስትራት ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲታት ትምህርቲ፣ ባህሊ፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ወፍርን፣ ከምኡ እውን ኣብ ዲጂታላይዜሽን ብዝያዳ ንምስፋሕን ንምጥንኻርን ተመያይጦም።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ህንዲ ኣብ ቀረባ እዋን ብኣሰናዳእነት እታ ሃገር ዝተኻየደ ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ኢትዮጵያ ንዝነበራ ዕዉት ተሳትፎ ምስጋና ኣቕሪቦም።