ሃገር ለኸ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ካብ 1 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክኽበር እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ሃገር ለኸ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ካብ 1 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክኽበር እዩ
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 29/2019 (ኢዜኣ) ግንዛበ ድሕንነት ሳይበር እቲ ማሕበረሰብ ንምዕባይ ዝዓለመ ሃገር ለኸ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ካብ 1-30 ጥቅምቲ 2019 ዓ/ም ከም ዝኽበር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ “ንቑሕ ዜጋ ድሕንነታ ንዝተሓለወት ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንቀፃሊ ሓደ ወርሒ ዝኽበር መበል 7ይ ሃገር ልኸ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ብዝምልከት ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ።
ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ትዕግስት ሃሚድ ኣብ መገልፂአ፤ ተጠቃምነት ቴክኖሎጂ ብቕልጡፍ ምዕባዩ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት፣ ትካላትን ቁልፊ መሰረተ ልምዓታትን መጥቃዕቲ ሳይበር ዝውስኸሉ ኩነታት ከም ዝረአ ገሊፀን።
ስለ ዝኾነ ድማ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ትካላትን ማሕበረሰብን ኣብ ድሕንነት ሳይበር ዘለዎም ግንዛበ ብምዕባይ ዓርሶም ካብ መጥቃዕቲ ሳይበር ምክልኻል ንክኽእሉ ወሳኒ እዩ ኢለን።
ወርሒ ድሕንነት ሳይበር እዚ ዓመት ኣብ ሓለዋ በይነ መረብ ህፃናት ትኹረት ከም ዝገበረ ብምግላፅ፤ ኣብ ኣጠቓቕማ በይነ መረብ ህፃናትን ተዛምድቲ ጉዳያትን ፍሉይ ትኹረት ተዋሂቡ ከም ዝኽበር ተዛሪበን።
ኣብቲ ወርሒ ሰገናትን መናእሰይን ዘሳትፍ ውድድርን ኣብ ሰብ ስራሕ ብልሕን ሳይበርን መድረኽ ዘተን ከም ዝካየድ እውን ኣረዲአን።
ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ድሕንነት ሳይበር ኢትዮጵያ ናይ ምሕላው እጃሙ እናተዋፅአ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ድሕንነት ሳይበር ኣብ ምሕላው ኩሉ ብሓባር ክሰርሕ ይግባእ ኢለን።
ካብ 1-30 ጥቅምቲ 2019 ዓ/ም ንሓደ ወርሒ ዝኽበርአበል 7ይ ሃገር ለኸ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ብድሙቕ ምኽባር ዘኽእል ምድላው ከም ዝተገበረ እውን ኣፍሊጠን።
ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ብብርኪ ኢትዮጵያ ን7ይ ግዜ ብብርኪ ዓለም ድማ ንመበል 23 ግዜ ከም ዝኽበር እውን ተገሊፁ።