ኢትዮጵያን ናይጄሪያን ንጥዑይን ኣፍራዪን ወለዶ ፅኑዕ መሰረት ንምንባር ብቆራፅነት ክሰርሓ እየን -ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ናይጄሪያን ንጥዑይን ኣፍራዪን ወለዶ ፅኑዕ መሰረት ንምንባር ብቆራፅነት ክሰርሓ እየን -ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 27/2019 (ኢዜአ)፦ ኢትዮጵያን ናይጄሪያን ንጥዑይን ኣፍራዪን ወለዶ ፅኑዕ መሰረት ንምንባር ብቆራፅነት ከም ዝሰርሓ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶሕ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ መፃኢ እ ኣፍሪካ ንምቕያር ጥዕና ሕፅናት ምርግጋፅ ወሳኒ እዩ ኢሎም።
መድረክ ልውውጥ ተሞክሮ መራሕቲ ስርዓተ ምግብ ኢትዮጵያን ናይጄሪያን ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ካሺም ሼቲማን ላዕለዎት ልኡካኖምን ብምዃን ብወግዒ ከም ዝጀመሩ ገሊፆም።
ኢትዮጵያን ናይጄሪያን ብስትራተጂካዊ ምሕዝነት ዝተኣሳሰራ እንተኾና፣ ሰፊሕ ህዝቢ፣ ሰብኣዊ ዓቕምን ቁጠባዊ ዓቕምን ናይተን ክልተ ሃገራት ብዝተዋደደ ፃዕሪ ክምራሕ እንተሎ ንዕብየትን ምዕባለን ኣፍሪካ ግዙፍ ዕድል ዝፈጥር እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
ናይጄሪያ ኣብ ቃል ኪዳን ሰቆጣ ዘመዝገብናዮ ጭቡጥ ተሞክሮ ንምቕሳም ዝገበረቶ ዑደት ናይዚ ምሕዝነት ጭቡጥ መርአያ ምዃኑ ሓቢሮም።
ስርዓተ ምግብ ጉዳይ ጥዕና ጥራሕ ዘይኮነስ ፤ መሰረት ልምዓት ዓቕሚ ሰቅ፣ ውፅኢት ትምህርቲ፣ ዓቕሚ ፍርያትን መሰረት መፃኢ ምዕባለን እውን እዩ
ስለዝኾነ ጉዳይ ስርዓተ ምግቢ ብዝለዓለ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ፣ ብዝተዋደደ ስራሕ መንግስትን ብሕታትነትን ክምራሕ ከም ዘለዎ ኣልዒሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ብቃል ኪዳን ሰቆጣ ዝጀመረቶ ጓዕዞ ብጠንካራ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ፣ ብትካላዊ ኣሰራርሓ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብርኪ ብዝግበር ክትትልን ብዝተዋደደ ምድባ በጀት ብምስፍሕፋሕ ጭቡጥ ውፅኢት ከም ዝተመዝገፆ ገሊጾም።
ልውውጥ ተሞክሮ መራሕቲ ኢትዮጵያን ናይጄሪያን ነዚ ተሞክሮ ካብ ምክፋል ሓሊፉ ዓቕሚ ክልቲኤን ሃገራት ብምውህሃድ ጥዕና፣ መፍርያይነታን ምዕባለኣ ዝተረጋገፀትሪካ ኣፍሪካ ሓባራዊ መፍትሒ ንምርካብ ዕድል ከም ዝኸፍት እውን ኣልዒሎም።
ጥዕና ሕፅናት ሎሚ ዓቕሚ ኣፍሪካ ፅባሕ እዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፣ በዚ እምነት ምትሕብባርን ቆራፅነትን መሪሕነት ክልቲኤን ሃገራትን ብምጥንኻር ንጥዑይን ኣፍራዪ ወለዶ ጽኑዕ መሰረት ክንተክል ኢና ኢሎም።