ፕሬዚዳንት ጅቡቲ ኢስማኤል ኦማር ጊሌ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም 26/2019 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ጅቡቲ ኢስማኤል ኦማር ጊሌ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም።
መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 1ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ንዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ መሪፁ እዩ።
ነዚ ስዒቡ እውን ፕሬዚዳንት ጅቡቲ ኢስማኤል ኦማር ጊሌ ኣብዚ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዳግማይ ብምምራፆም እንኳዕ ደስ በሎም ኢሎም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኢትዮጵያ ተመዝግቦ ንዘላ ዕቤት ኢኮኖሚ ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም።
ጅቡቲ ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ምሕዝነትን ሕውነትን ንምጥንኻር ቆራፅ ከም ዝኾነት እውን ኣረጋጊፆም።
#መንግሥቲ_መደመር #ዓባይ_ሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም