ፕሬዚዳንት ዛምቢያ ሃካይንዴ ሂቺሌማ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም - ኢዜአ ትግርኛ
ፕሬዚዳንት ዛምቢያ ሃካይንዴ ሂቺሌማ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 26/2019 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ዛምቢያ ሃካይንዴ ሂቺሌማ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዳግማይ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኮይኖም ብምምራፆም ብሽም ህዝብን መንግሥትን ዛምቢያ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም።
መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 1ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ንዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ መሪፁ እዩ።
እቶም ፕሬዚዳንት ፓብ መልእኽቶም፤ ዛምቢያ ኣብ መንጎ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ንዝተሃነፀ ኣህጉራዊ ሕውነት ኣፍሪካውያን ጠንካራን ሕውነታውን ርክብ ልዑል ዋጋ ከም ትህቦ ገሊፆም።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዘላቒ ታሪኻዊ ምትእስሳር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምኡ እውን ንሓባራዊ ብልፅግናን ዕቤትን ዝግበር ክልቲኣዊ ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ድሌት ከም ዘለዎም ሓቢሮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓዱሽ ዘበነ ስልጣን ዘበኖም ናይ ዓወት ንክኸውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም
#መንግሥቲ_መደመር #ዓባይ_ሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ