ፕሬዚዳንት ታንዛንያ ሳሚያ ሱሁሉ ሀሰን ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፈን - ኢዜአ ትግርኛ
ፕሬዚዳንት ታንዛንያ ሳሚያ ሱሁሉ ሀሰን ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፈን
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 26/2019 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ታንዛንያ ሳሚያ ሱሁሉ ሀሰን ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፈን።
መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 1ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ንዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ መሪፁ እዩ።
ፕሬዚዳንት ታንዛንያ ሳሚያ ሱሁሉ ሀሰን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ብሽም መንግሥትን ህዝብን ሃገረን ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) እንኳዕ ደስ በሎም ክብል ይፎቱ ኢለን።
እዚ ሓላፍነት ሓዱሽ ዘበነ ስራሕ እቲ ህዝቢ ኣብ ኣመራርሓ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትርን ንዕቤት ኢትዮጵያ ብዘለዎም ራእን ዘለዎ ዓብይ እምነትን ዘርኢ እዩ ክብላ ገሊፀን።
ታንዛኒያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዝፀንሐን ዕሙቕን ርክብ ሕውነት ዋጋ ከም ትህብ ብምግላፅ፤ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት፣ ብልፅግና እተን ሃገራትን ሓፈሻዊ ዕቤት ኣፍሪካን መሰረት ብዝገበረ መልክዑ እዚ ምትሕብባር ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ልዑል ድሌት ከም ዘለዋ ኣረጋጊፀን።
#መንግሥቲ_መደመር #ዓባይ_ሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ