ምኽረ-ሓሳባት ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ንዘላቂ ህንፅት ሃገር ክውዕሉ ክግበር እዩ-ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሴ - ኢዜአ ትግርኛ
ምኽረ-ሓሳባት ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ንዘላቂ ህንፅት ሃገር ክውዕሉ ክግበር እዩ-ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሴ
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 26/2019 (ኢዜኣ)፦ ምኽረ-ሓሳባት ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ናብ ባይታ ብምውራድ ንዘላቂ ህንፅት ሃገር ክውዕሉ ክግበር እዩ ክብሉ ፕረዚደንት ፌዴሪኢ ታየ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።
ግዕዝይና ናይ ምድራቕ ስራሕ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል እውን ኣመላኺቶም።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ሓባራዊ ኣኼብኦም ኣካይዶም።
ፕረዚደንት ፌዴሪኢ ታየ ኣፅቀስላሴ ኣብ መኽፈቲ እቶም ኣብያተ ምኽሪ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ ሃገራዊ ስትራቴጂካዊ ዕላማታት ንምዕዋት ዕምቆት ሓሳብ፣ ብርኪ ፍልጠትን ተበግሶ ስራሕን ወሳኒ ሓይልታት ምዃኖም ተዛሪቦም።
በዙይ ድማ ኢትዮጵያ ብፅኑዕ ሕብረ-ብሔራዊ ሓድነት ብምቕጻል ዜጋታት ንብልፅግና ሃገር ብሓባራዊ መንፈስ ንክፅዕሩ ክግበር እዩ ኢሎም።
ውርሲ ኣዙሪት ጠበንጃን ፖለቲካ ዓመፅን ብዘላቂነት ንምእላይ፤ ልምዲ ፖለቲካና ኣብሰላም፣ ብዘተን ስምምዕን ክምስረት መንግስቲ ልዑል ትኹረት ከም ዝህቦ ኣመልኺቶም።
ምኽረ-ሓሳባትን ውፅኢት ሃገራዊ ምኽክር ንልምዲ ፖለቲካን ንዘላቂ ህንፀት ሃገርን ዘለዎ ፋይዳ ብምግንዛብ ብዝማዓበሉ ሃገራዊ ሓሳባት ናብ ባይታ ንክውረዱ ክግበር እዩ ኢሎም።
ፖለቲካን ማሕበራዊ ንቕሓትን ኢትዮጵያ ብምዕባይ ፍልልያት ብምፅባብ ሰላምን ዕብየትን ዝሰፈና ተምሳሌታዊት ሃገር ከም ትህነፅ እውን ተዛሪቦም።
ትካላት ብስርዓት ቁፅፅር ብምጥንካርን ሰራሕተኛታት ብስነ-ምግባር ብምህናፅን መረብ ሙስና ንምድራቕ ዝካየድ ስራሕ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣልዒሎም።