ብፕረዚደንት ፌዴሪኢ ታየ ኣፅቀስላሴ ዝቐረቡ ዋና ዋና ትኹረት መንግስቲ - ኢዜአ ትግርኛ
ብፕረዚደንት ፌዴሪኢ ታየ ኣፅቀስላሴ ዝቐረቡ ዋና ዋና ትኹረት መንግስቲ
1. ሰላም ንዕብየትን ብልፅግናን ኢትዮጵያ ዘለዎ ዋጋ ዝተገንዘበን ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ሓድነት፣ ምትሕብባርን ንኢትዮጵያ ዘቐድም ተግባር ዝፍፀም ይኸውን ።
2. ፅሬት መሰረት ዝገበረ ሓፈሻዊ መዋቅራዊ ሽግግር ንክህሉ ክግበር እዩ።
3. ትምህርቲ፣ ጥዕናን ማሕበራዊ ሓለዋን ካብ ስፍሓት ናብ ፅሬት ብምስግጋር ዜጋ ማእኸል ዝገበረ ልምዓት ክቀላጠፍ እዩ።
4. ንዕብየትና ቁልፊ ረብሓ ንዘለዎም ኢንዱስትሪያዊን ሕርሻዊን እታዎትን ከምኡ እውን ዓቕሚ ዘመናዊ ህንፀት መሰረተ ልምዓትና ዓርሱ ክኽእል ክግበር እዩ፡፡
5. ኣፈፃፅም ፕሮጀክትን ፋይናንስ ፕሮጀክትን ዘመናዊ፣ ቅልጡፍ፣ ውፅኢታዊን ተሓታትነት ዘለዎ ንኽኸውን ክስራሕ እዩ።
6. መሰረት ታክስ ብምዕባይ፣ ዕዳ ብግቡእ መገዲ ብምምሕዳር ከምኡ እውን ዓቕሚ ኣታዊን ወፃኢን መንግስቲ ብግቡእ ምቁፅፃር ክዓቢ እዩ።
7. ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ክልላትን ዘሎ ምውዳድ ስራሕ ኩነታት ኣፈፃፅማን ዝተሓባበረ፣ ዝተደጋገፈ፣ ውፅኢታዊን እንከን ኣልቦን ንኽኸውን ክግበር እዩ።
8. ርክብ ወፃኢ ኢትዮጵያ ካብ ተቐባልነት ናብ ፅልዋ ፈጣሪነት ንክሰጋገር ዝገብር፤ ብፍላይ መሓዙት ኣብ ምብዛሕ ዝተግህ፣ ኣረኣእያ ፅልኢ ንዘለዎም ድማ ዝመክር፤ ንዞባዊ ሰላምን ቁጠባዊ ምትእስሳርን ኩሉ ግዜ ቀዳምነት ዝህብን ዓለምለኻዊ ተቐባልነትና ዝያዳ ዘዕብን ክኸውን እዩ።