ኣትሌት ትዕግስት ኣሰፋ ሕፅይቲ ብልፅቲ ኣትሌት ዓለምና እዚ ዓመት ኰይና

ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 26/2019 (ኢዜአ)፦ ኣትሌት ትዕግስት ኣሰፋ ኣብ ዝርዝር ሑፁያት ብሉፃት ኣትሌታት ኣትሌቲክስ 2026 ተኻቲታ።

ዓለምለኸ ኣትሌቲክስ ብኽልቲኡ ፆታታት ብተመሳሳሊ 10 ብሉፃት ሕፁያት ዓለምለኻዊ ኣትሌታት ሎሚ ዕላዊ ገይሩ፡።

ካብ  ደቂ ኣንስትዮ ሕፁያት ብሉፃት ኣትሌታት ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ትዕግስት ኣሰፋ ትርከብ።

ኣትሌት ትዕግስት ቅድሚ ሐዚ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2023ን ኣብ 2025ን ብደቂ ኣንስትዮ ብልፅቲ ዓለምለኻዊ ሕፅይቲ ኣትሌቲክስ ከም ዝነበረት ዝዝከር እዩ።

እታ አትሌት ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን በርሊን ብጉድኣት ተፈቲና ብ2 ሰዓት ከ11 ደቂቃ ከ04 ሰከንድ ብምዝዛም ሳልሳይ ፈጣን ሰዓት ዓለም ኣመዝጊባ እያ።

ብተወሳኺ ኣብ ማራቶን ለንደን 2026 ብ2 ሰዓት ከ15 ደቂቃ ከ41 ሰከንድ ብምዝዛም ንደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዝኾነ ማራቶን ሓዱሽ ዓለምለኻዊ ክብረ ወሰን ኣመዝጊባ እያ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም