ዓቕሚ ዓመታዊ ፍርያት ዝራእቲ ኢትዮጵያ 1 ነጥቢ 3 ቢልዮን ኩንታል ምብፃሕ ተኻኢሉ እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 26/2019 (ኢዜኣ) ዓቕሚ ዓመታዊ ፍርያት ዝራእቲ ኢትዮጵያ 1 ነጥቢ 3 ቢልዮን ኩንታል ምብፃሕ ከም ዝተኽኣለ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ሓባራዊ ኣኼብኦም ኣካይዶም።

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ ነቶም ኣብያተ ምኽሪ ኣብ ዝገበርዎ መኽፈቲ መደረ፤ ስጉምቲ ዕቤት ኢትዮጵያ ዝልካዕን ብግልፂ ዝረአን እዩ ኢሎም።

ዓመታዊ ፍርያት ዝራእቲ ኢቱኦጵያ 2018 ዓ/ም 1 ነጥቢ 3 ቢልዮን ኩንታል ከም ዝበፅሐ እውን ኣመላኺቶም።

እዚ ድማ ኣብ 211 ዓ/ም ካብ ዝነበረ 335 ሚልዮን ኩንታል እንትነፃፀር ልዑል ዕቤት ከም ዘርኣየ ኣረዲኦም።

ፍርይታ ዝራእቲ ዕቤቱ ዓብይ እመርታን ልዕልና ኢትዮጵያን ብግልፂ ዘርኢ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።

#መንግሥቲ_መደመር #ዓባይ_ሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም