ብሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ዝቐረቡ ምኽረ-ሓሳባት ተግባራዊ ንምግባር ብትኹረት ክስራሕ እዩ - ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሴ - ኢዜአ ትግርኛ
ብሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ዝቐረቡ ምኽረ-ሓሳባት ተግባራዊ ንምግባር ብትኹረት ክስራሕ እዩ - ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሴ
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 26/2019 (ኢዜአ)፦ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ምኽክር ዝቐረቡ ምኽረ-ሓሳባት ተፈፃሚ ክኾኑ ብትኹረት ከም ዝስራሕ ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ሓባራዊ ጉባኤኦም እናካየዱ እዮም።
ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሴ ነቶም ኣብያተ ምኽሪ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፣ እቲ ቐረባ እዋን ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ምኽክር ማሕበራዊ እሴታት ብምውህሃድ ሕብረ-ብሄራዊነት ኢትዮጵያ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ክትህነፅ መሰረት ከም ዝንፀፈ ኣመላኺቶም።
እቲ ጉባኤ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕልና ሓሳብ ዝኣምን፣ ንህዝቢ ዝተገዛአን ስክነት ሃፍቱ ዝገበረን ንኽኸውን ዝተኽኣለ ፍፃመ እዩ ኢሎም።
ኣብቲ ጉባኤ ተመካኸርቲ ዘቕረብዎም ምኽረ-ሓሳባት ተፈፃሚ ንምግባር ዝግበር ፃዕሪ መንግስቲ ኣብ በጀት ዓመት 2019 ትኹረት ካብ ዝሃቦም ቀንዲ ጉዳያት ከም ዝጥቀሱ ተዛሪቦም።
መንግስቲ ልምዲ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንምዝማንን ዝተረጋገፀ ምህዳር ፖለቲካ ንክህሉን ዝወስዶ ዘሎ ስጉምትታት አጠናኺሩ ከም ዝቕፅል'ዩ ገሊፆም።
ፅኑዕ ባህጉ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ዝኾነ ሰላም ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ብትኹረ ከም ዝስራሕ ኣመላኺቶም።