ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 26/2019 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ 1ይ ዓመት ዘበነ ስርሑ 1ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ንዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ መሪፁ እዩ።
ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዳግማይ ብምምራዝፆም እንኳዕ ደስ በሎም ክብሎም ይፈትው ኢሎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝተውሃቦም ሓላፍነት ንሃገሮም ብዘለዎም መስተውዓላይነትን ራእን ዓብይ እምነት ከም ዘነበረ ዘርኢ እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ከይዲ ለውጢ ኢትዮጵያ ዕዉት ንክኸውን ብምምናይ፤ ኬንያ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ንዞባዊ ሰላምን ልምዓትን ከምኡ እውን ንሓባራዊ ረብሓታት ክልቲአን ሃገራት ብትኹረት ምስርሓ ኣጠናኺራ ከም ትቕፅለሉ ወሲኾም ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም