ኣብዚ ሓዱሽ በጀት ዓመት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ 10 ነጥብ 1 ሚእታዊት ዕብየት ከም ተመዝግብ ትፅቢት ይግበር-ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 26/2019 (ኢዜአ)፦ ኣብ በጀት ዓመት 2019 ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ 10 ነጥብ 1 ሚእታዊት ዕብየት ከም ዘመዝግብ ትፅቢት ከም ዝግበር ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ሓባራዊ ጉባኤኦም እናካየዱ እዮም።

ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሴ ነቶም ኣብያተ ምኽሪ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፣ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዓበይቲ ውፅኢታት ከም ዝተመዝገቡ ገሊጾም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ዝተመዝገቡ ዓወታት ኢኮኖሚ ንቀፃሊ ስራሕ መሰረት ምርንባር ዘኽእሉ ፅኑዓት መሰረታት ምዃኖም እውን ተዛሪቦም።

ኣብዚ ተተሒዙ ዘሎ በጀት ዓመት እውን ዕብየት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ 10 ነጥብ 1 ሚእታዊት ዕብየት ከም ዘዝዝግብ ትፅቢት ከም ዝገበር  ተዛሪቦም።

ነዚ ሽቶ ዕብየት ንምዕዋት ዘኽእሉ ኩለመዳያዊ ስራሕቲ ከም ዝሳለጡ እውን ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም