ሕቶ ዘተኣማምን ኣፍ ደገ ባሕሪ ምርካብ ኢትዮጵያ ዓለምለኻዊ ተቐባልነቱ እናዕበየ መፂኡ እዩ- ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሴ - ኢዜአ ትግርኛ
ሕቶ ዘተኣማምን ኣፍ ደገ ባሕሪ ምርካብ ኢትዮጵያ ዓለምለኻዊ ተቐባልነቱ እናዕበየ መፂኡ እዩ- ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሴ
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 26/2019 (ኢዜኣ)፦ ሕቶ ዘተኣማምን ኣፍ ደገ ባሕሪ ምርካብ ኢትዮጵያ ዓለምለኻዊ ተቐባልነቱ እእናዕበየ ምምፃኡ ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ሓባራዊ ጉባኤኦም እናካየዱ እዮም ዝርከቡ።
ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሴ ኣብቲ ቤት ቤት ምኽሪ ኣብ ዝገበርዎ መኽፈቲ መደረ፣ ልምዓትን ዕብየትን ኢትዮጵያ ብዘላቕነት ንምቕፃል ኣፍ ደገ ባሕሪ ከም ዘድልያ ተዛሪቦም።
ኣፍ ደገ ባሕሪ ምርካብ ኢትዮጵያ ስትራቴጂካዊ ረብሓታታ ንምሕላው ወሳኒ ግደ ከም ዝፃወት ኣመላኺቶም።
ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ብሰላማዊን ዲፕሎማሲያዊን መገዲ ወናኒት ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምዃን ዘለዋ ድልየት ዓለምለኻዊ ተቐባልነቱ ክዓቢ መሰረት ከም ዝተነብረ ገሊፆም።
እዚ ድሌት ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብሓባር ናይ ምዕባይን ምልማዕን ፅኑዕ ድልየታ ዘርኢ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡
ጉዳይ ወናኒት ኣፍ ደገ ባሕሪ ምኻን ሂብካ ብምቕባልን ኣብ ሓበራዊ ተጠቃምነትን ብሰላማዊ መገዲን ንክዕወት ፃዕሪ ከም ዝግበር ገሊጾም።