ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ዝተመዝገቡ ዓወታት ሉኣላዊነት ኢኮኖሚ ዘረጋግፁ እዮም-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ዝተመዝገቡ ዓወታት ሉኣላዊነት ኢኮኖሚ ዘረጋግፁ እዮም-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 26/2019 (ኢዜኣ) ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ዝተመዝገቡ ዓወታት ሉኣላዊነት ኢኮኖሚ ዘረጋግፁ ከም ዝኾኑ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ሓባራዊ ጉባኤኦም እናካየዱ እዮም ዝርከቡ።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ነቶም ኣብያተ ምኽሪ ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ መኽፈቲ መደረ፤ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ንቀፃሊ ስራሕቲ መሰረት ዝኾኑ እዮም ኢሎም።\
ኣብ ግብርና፣ንግዲ ወፃኢ፣ቱሪዝም፣ኢንዱስትሪ፣ዲጂታን ካልኦት ዓውድታትን ዝተመዝገቡ ዓወታት ዕቤት ኢኮኖሚ ንክቀላጠፍ ከም ዘኽኣሉ ተዛሪቦም።
መንግሥቲ ልቓሕ ንግዲ ብምቁራፅን ንነዊሕ እዋን ዝተጓተቱ መሰረተ ልምዓታት ብብቕዓት ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ምዕባዩ ነቲ ዕቤት ወሳኒ እጃም ከም ዘበርከተ እውን ሓቢሮም።
ኣብቲ ኢኮኖሚ ዝተረኸቡ ዓወታት ፈተናን ፀገምን ምስጋር ጥራሕ ዘይኮነስ ሉኣላዊነት ኢኮኖሚ ዘረጋግፁ እዮም ኢሎም።