ብቕልጡፍን ብመንገዲ ፈጠራን ሪፎርም እናበርና፣ እቲ ዝመፅእ ዘሎ ዓለም ንምድህሳስ ንዳሎ ኣለና

ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 26/2019 (ኢዜአ):- ዝሓለፉ ስብራታት መርሚርና፣ ብቕልጡፍን ብመገዲ ፈጠራን ሪፎርም እናገበርና፣ እቲ ዝመፀእ ዘሎ ዓለም ንምድህሳስ ንዳሎ ኣለና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 1ይ መመስረቲ ስሩዕ ጉባኤኡ ንዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ ሸይሙ።
 
ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ቅድሚ ቤት ምኽሪ ቃለ መሐላ ብምፍፃም መደረ ኣስሚዖም።

እቶም  ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፤ ካብ ዝሓለፉ ታሪኻዊ ተሞክሮታት ብምምሃር ነቲ ቅልጡፍ ለውጢ ዓለም ቀዲምካ ምርዳእን ንዝመፅእ ዘመን እኹል  ምድላው ምግባርን  ወሳኒ ምዃኑ ገሊፆም። 

ዓለም ተኸታተልቲ  ኣብዮታት ኢንዱስትሪ ብምክያድ ዓቕሚ  ቴክኖሎጂን ቁጠባን እንትተዐቢ፣ ነዞም ለውጥታት ዓርሶም ዘዳለዉ ሃገራት ተዋሳእቲ እቲ ኣብዮት ክኾኑ ከም ዝኽኣሉ ተዛሪቦም።

 ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ካብዞም ለጥውታት ብእኹል ኩነታት ተጠቃሚት ከይኮነት ከም ዝፀንሐት ብምግላፅ፣ ብምኽንያት ኲናትን ውሽጣዊ ጎንፅን ምስ ጉዕዞ ለውጢ ዓለም  ብተመጣጣኒ መልክዑ  ክትጓዓዝ ከም ዘይክኣለት ኣዘኻኺሮም። 

ቀዲምካ ዘይምድላው ከም ሃገር ዘኽፍሎ ዋጋ ንምርኣይ ድማ  ዳግማይ ወረራ ጣልያን ከም  ኣብነት ገይሮም ኣልዒሎም።

 ኣብ ውግእ ዓድዋ ዝተስዓረ ሓይሊ ጣልያን ንኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝፀንሐ ምድላው ድሕሪ ምግባር ዳግማይ ናብ ኢትዮጵያ ምምፃኡ ዘዘኻኸሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ብኣንፃሩ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዓወት ዓድዋ  ብእኹል ኩነታት ከይተዳለወት ምፅናሓ ኣብ ውግእ ማይጨው ምስቲ ዝተቐየረ ቴክኖሎጂ ውግእ  ንኽትገጠም ከም ዝተገደደት ገሊፆም።

ኣብቲ  እዋን  እቲ ወራሪ ሓይሊ 450 ዘመናዊ ነፋሪት ሒዙ እንትመፅእ፣ ኢትዮጵያ ካብ 12 ዘይበልፃ ወተሃደራዊ ዘይኮና ኣናእሽቱ ነፈርቲ ሒዛ ንምግጣም ምግደዳ እውን  ኣልዒሎም። 

ስለዝኾነ ካብ ዝሓለፉ ታሪኻዊ ልምድታት ብምምሃር ነቲ ቅልጡፍ ለውጢ ዓለም ኣቐዲምካ ምርዳእን ንዝመፅእ ዘመን ብእኹል ኩነታት ምድላው ምግባርን ወሳኒ ምዃኑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መደረኦም ገሊፆም። 

ሓደ ግዘ  ብዕንቅፋት ምውቃዕ ተፈጥሮኣዊ እንተኾውን እውን ዳግማይ ምውቃዕ ግን ናይ  ጥዕና ከም ዘይኮነ ብምጥቃስ፣ ነቲ ዝሓለፈ ብምርዳእ ዝሓሸ ምድላው ምግባር ቀፃሊ ጉዕዞ  ሃገር ንምዕዋት ወሳኒ ምዃኑ ኣገንዚቦም።
 ኢትዮጵያ ሎሚ ኣበይ ከም ዘላ ብምግምጋም ዝመፁ ለውጥታት ኣቐዲምካ ብምፅባይን ብምድላውን ኣብ ጉዕዞ ለውጢ  ዓለም  ተዋሳኢት  ኰይና ክትቅፅል ከም ዘለዋ እውን  ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም