ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓኣ ንምኽባር ምስ ጎረቤት ሃገራት ብምትሕብባር ክትሰርሕ እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 25/2019 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓኣ ንምኽባር ምስ ጎረቤት ሃገራት ብምትሕብባር ከም ትሰርሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 1ይ ዓመት ዘበን ስርሑ 1ይ መመስረቲ ስሩዕ ጉባኤኡ ልክሚ ኣካይዱ።

በዚ ድማ ንዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ ሰይሙ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እውን ኣብ ቅድሚ እቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቦም ቃለ መሓላ ፈፂሞም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ርክብ ወፃኢ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ፅልዋኣ ብዘዕቢ መልክዑ ክድህሰስ እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ በዓል ብዙሕ ወገን ርክብ ብሄራዊ ረብሓኣ መሰረት ገይራ ብሓባር ከም ትሰርሕ እውን ኣፍሊጦም።

ጎረቤት ሃገራት ብተፈጥሮ ዝተራኸባ ፈተውቲ ከም ዝኾና ብምግላፅ፤ ምስ ኩለን ብሰላም፣ ሓባራዊ ረብሓን ምትሕብባርን ናይ ምስራሕ ቅዋምና ክንቕፅለሉ ኢና ኢሎም።

ስልጣነ ኢትዮጵያ ብዘይ በሪ ባሕሪ ጋህዲ ክኸውን ከም ዘይኽእል ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ኢትዮጵያ ብቅዋም ሂብካ ምቕባል ወፂኻ መእተዊ ብሪ ንክህልዋ ተጊሆም ከም ዝሰርሑ እውን ኣረጋጊፆም።

ዘበናዊ፣ ቅልጡፍ፣ ኩሉ ግዜ ድሉው፣ ብቑዕን ንቑሕን፣ በቢ ዓውድታት ናይ ምውፋር ዓቕምን ቁመናን ዘለዎ ሰራዊት ምክልኻል ክኸውን እዩ ኢሎም።

ፀገማት ቅድሚ ምፍጣሮም ቀዲምካ ምፍላጥን ምግታእን፣ እንተመፂኦም እውን ምክልኻል፣ እንተገዲዱ እውን ከም ኣቦታቱን ከም ልማዱን ምዕዋት ዝኽእል ሓይሊ ኮይኑ ምህናፁ ክቕፅል እዩ ክብሉ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ እውን ትካላት ሃይማኖት፣ ሲቪክን ባህልን ንስልጣነ ኢትዮጵያ ግቡእ እጃም ንከበርክቱ ምችው ኩነታት ከም ዝፍጠር ተዛሪቦም።

ኩለ መዳያዊ ሉኣላዊነታ ዘረጋገፀት፣ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነታ ዝፀንዐ፣ መፍረያይነት ባህሊ ንግባር እትተግህ፣ መራሒትን ግንባር ቀደምን ዝኾነት ጠንካራ ኢትዮጵያ ናይ ምህናፅ ታሪኻዊ ዕድል ኣብ ቅድሜና ኣሎ ክብሉ ኣረዲኦም።

#ዓባይ_ሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም