ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሀሰን ሼክ መሐሙድ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም - ኢዜአ ትግርኛ
ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሀሰን ሼክ መሐሙድ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 25/2019 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሀሰን ሼክ መሐሙድ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም።
መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 1ይ መመስረቲ ስሩዕ ጉባኤኡ ንዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ ሸይሙ።
ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሀሰን ሼክ መሐሙድ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዳግማይ ብምምራፆም እንኳዕ ደስ በሎም ኢሎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ሓዱሽ ዘበነ ስልጣኖም ዓወት ንክገጥሞም እውን ተመንዮም።
እቶም ፕሬዚዳንት ወሲኾም እውን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻርን ኣብቲ ዞባ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሰላም፣ ምርግጋዕን ሓባራዊ ብልፅግናን ንክዓስል ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብቐረባ ንምስራሕ ድሉው ምዃኖም ኣረጋጊፆም።
#መንግሥቲ_መደመር #ዓባይ_ሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ