ራኢ ኢትዮጵያ ብዝሓስብ ኣእምሮን ብዝሰአሑ ኣእዳውን እንትምራሕ ይሰምርን ይፀንዕን-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 25/2019 (ኢዜኣ) ራኢ ኢትዮጵያ ብዝሓስብ ኣእምሮን ብዝሰአሑ ኣእዳውን እንትምራሕ ይሰምርን ይፀንዕን ክብሉ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 1ይ መመስረቲ ስሩዕ ጉባኤኡ ንዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ ሸይሙ።
 
ፕሬዚዳት ታዬ ኣፅቀሥላሴ ኣብ መልእኽቶም፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኮይኖም ዳግማይ ብምምራፆም ዝተሰምዐኒ ታሕጓስ ክገልፅ ይፈቱ ኢሎም።

ራኢ ኢትዮጵያ ብዝሓስብ ኣእምሮን ብዝሰአሑ ኣእዳውን እንትምራሕ ይሰምርን ይፀንዕን ክብሉ እውን ተዛሪቦም።

ንታሪኻዊት ሃገር ኢትዮጵያ ንከገልግሉን ዕዉትብ ውፅኢታውን ዘበነ ስራሕ ንክኾነሎምን እውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

#መንግሥቲ_መደመር #ዓባይ_ሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም