ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎዛን ተቐቢሎም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎዛን ተቐቢሎም
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 25/2019(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎዛን ተቐቢሎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ንሓወይ ፕሬዝዳንት ሲሪል ራማፎዛን ብሓጎስ ተቐቢለ ኢሎም።
ሎሚ ምስረታ መንግሥቲ መደመር እንትነኽብር ንዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ እውን ምስጋናይ የቕርብ ክብሉ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ንሓድነት፣ ሰላም፣ ልምዓትን ብሩህ ተስፋን እቲ ኣህጉር ብዘለወን ኣብ ሓባራዊ ቆራፅነት መሰረት ዝገበረ ጠንካራን ታሪኻውን ርክብ ከም ዘለወን ገሊፆም።
ምሕዝነትና ብዝበለፀ ንምዕባይን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትእስሳር ምሕዝነት ከም ነጠናኽር እውን ተስፋ ኣለኒ ኢሎም።
#ዓባይ_ሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ