ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እዚ እዋን ኢቫሪስቴ ንዳይሺሚዬ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እዚ እዋን ኢቫሪስቴ ንዳይሺሚዬ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 25/2019 (ኢዜኣ) ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እዚ እዋንን ፕሬዚዳንት ብሩንዲን ኢቫሪስቴ ንዳይሺሚዬ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም።
መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 1ይ ዓመት ዘበነ ስርሑ 1ይ መመስረቲ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ።
ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ቤት ምኽሪ ንዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ ሸይሙ።
ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እዚ እዋንን ፕሬዚዳንት ብሩንዲን ኢቫሪስቴ ንዳይሺሚዬ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ደጊሞም ብምምራፆም እንኳዕ ደስ በሎም ኢሎም።
ሓዱሽ ዘበነ ስራሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዕዉት ንክኸውን እውን ተመንዮም።
ኢትዮጵያ ስትራቴጂካዊ ብሄራዊ ሽቶታታ ንምዕዋት ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ዕቤት፣ ሓድነትን ብልፅግናን ህዝባ ዘላቒ ኮይኑ ከም ዝቕፅል ዘለዎም ሰናይ ትምኒት ገሊፆም።
እቶም ፕሬዚዳንት፤ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላም፣ ዞባዊ ምርግጋዕ፣ ጠንካራ ምትሕብባርንሓባራዊ ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ንምርግጋፅ ምስ መንግሥትን ህዝብን ኢትዮጵያ ብቀረባ ብምስራሕ ዘለዎም ፅኑዕ ቆራፅነት ኣረጋጊፆም።
#ዓባይ_ሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ