ሃገርና ዘጋጥምዋ ፈተናታት ብመንፈስ ሕውነትን ሕውነት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ማዕረ እንትንጎዓዝ እዩ ክንሳገሮ ንኽእል-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ሃገርና ዘጋጥምዋ ፈተናታት ብመንፈስ ሕውነትን ሕውነት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ማዕረ እንትንጎዓዝ እዩ ክንሳገሮ ንኽእል-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 25/2019 (ኢዜኣ) ሃገርና ዘጋጥምዋ ፈተናታት ብመንፈስ ሕውነትን ሕውነት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ማዕረ እንትንጎዓዝ ጥራሕ እዩ ክንሳገሮ ንኽእል ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 1ይ ዓመት ዘበነ ስርሑ 1ይ መመስረቲ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ።
ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ቤት ምኽሪ ንዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ ሸይሙ።
እቶም ቀዳማይ ኣብዚ እዋን ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ ብዲሞክራሲያዊ ስርዓት መረፃ ኣካይድና፣ ኣብ ሕጋዊ መረፃ እምነት ኣንቢሮም፣ብድምፆም መንግሥቲ ንምፅናዕ ብተግባር ንዝተኣመኑ ዜጋታት ካብ ልባዊ ምስጋናይ የቕርብ ኢልልም።
ወርቂ ብሓዊ ከም ዝፍተን ኩሉ ባህሊ ዲሞክራሲ እውን ኣብ ኣዋን መረፃ እዩ ዝፍተን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ዘሕለፍናዮ መረፃ ከም ዝኾነ ህዝባዊ መረፃ ተኻይዱ ተባሂሉ ጥራሕ ዝግለፅ ኣይነበረን ክብሉ እውን ሓቢሮም።
በቢ በረኽኡ ዝዓረዱሉ፣ በቢ ሚድይኡ ዘፅላእልእዎ፣ብሓሶት ሓበሬታ እናፈራርሑዎ፣ ኣብ ማእኸል ብዙሕ ፈተናታት ሓሊፉ ህልውንኡ ንምፅናዕ እቲ ህዝቢ ፈቒዱ መሪፁ እዩ ኢሎም።
ሓፈሻዊ ከይዲ እቲ መረፃ ባህሊ ዲሞክራሲ ካብ መሰረቱ እናተጠናኸረ ከም ዝመፀ ብግልፂ ዘርኣየ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ንቀፃሊ ታሪኽ ብድሙቕ ብዕር ከም ዝፅሕፎ ወለዶ እውን ደጋጊሙ ከም ዝዝክሮ ጥርጥር የብለይን ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
ዝኾነ መረፃ ሰዓርን ተስዓርን ክህልዎ ይኽእል እዩ፤ ኢትዮጵያ ግን ሰዓሪ እምበር ተስዓሪ ዜጋ ከም ዘይህልዋ በዚ ኣጋጣሚ ከረጋግፀልኩም ይፈትው ኢሎም።
ሃገርና ዘጋጥምዋ ፈተናታት ብመንፈስ ሕውነትን ሕውነት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ማዕረ እንትንጎዓዝ ጥራሕ እዩ ክንሳገሮ ንኽእል ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ሎሚ እቲ ዘበን ከም ዝተቐየረን ነገራት ከም ቀደም ከም ዘይኮኑ ኣረዲኦም።
ሃገራዊ፣ ዞባውን ዓለም ለኻውን ኩነታት ብቕልጡፍ ከም ዝለዋወጡ ብምግላፅ፤ ድሕሪ ክልቲኦም ኲናታት ዓለም ፖለቲካዊ፣ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን መልክዓት ዓለም ኣብ ቕልጡፍ ለውጢ እዮም ዝርከቡ ኢሎም።
#ዓባይ_ሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ