ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም
ኣዲስ አበባ፤ መስከረም 25/2019 (ኢዜአ)፦ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።
ኣብ 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ መስራቲ እቲ ቤት ምኽሪ 1ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ ሸይሙ፡፡
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ደጊሞም ብምራፆም እንኳዕ ደስ በሎም ክብል ይፈቱ ኢሎም።
ዋና መቐመጢ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካን መዲና ዲፕሎማሲ ኣፍሪካን ዝዀነት ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣህጉርን ህዝብታቱን ፍሉይ ቦታ ዘለዋ ሃገር እያ ኢሎም።
እቶም ኣቦ መንበር ኣብ መልእኽቶም፣ እቲ ሕብረት ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ምስቲ መንግስትን ኣጀንዳ ምትእስሳር፣ ሰላም፣ ድሕነትን ልምዓትን ኣፍሪካ ብዝተጠናኸረ መልክዕ ንኽቕፅል ብቐራርባ ምስራሕ ከም ዝቕፅል ተዛሪቦም።