ብመሰረት ሓሳባት ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕያሽ ክህሉ እዩ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ብመሰረት ሓሳባት ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕያሽ ክህሉ እዩ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ አበባ፤ መስከረም 25/2019 (ኢዜአ)፡- ኣብ ኢትዮጵያ ብመሰረት ሓሳባት ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕያሽ ከም ዝህሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣፍሊጦም።
ምስረታ መንግስቲ መደመርን ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢን ተኻይዱ።
እቲ ሓዱሽ ቤት ምኽሪ ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ገይሩ ሸይሙ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ነቲ ሹመት ስዒቡ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፣ ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት ብመሰረት ሓሳባት ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕያሽ ክህልወና እዩ ኢሎም።
ፖለቲካዊ ምህዳር ኢትዮጵያ ኣብ ሚዛን ንሕንሕን ምትሕብባርን ተመስሪቱ ክቕፅል ከም ዝግበር ኣፍሊጦም።
በዙይ ድማ ካብ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ብፍላይ ድማ ኣብ ከይዲ መረፃ ንቑሕ ተሳትፎ ምስ ዝነበሮም ፓርቲታት ብሓባር ንምስራሕ መንግስቲ ድሉው ምዃኑ ኣረጋጊፆም።