ወርቅነህ ገበየሁ ዶ/ር) ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ አበባ፤ መስከረም 25/2019 (ኢዜኣ)፦ ዋና ፀሓፊ በዓል መዚ በይነ መንግስታት ልምዓት ቀርኒ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ወርቅነህ ገበየሁ ዶ/ር) ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።

ኣብ 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ መስራቲ እቲ ቤት ምኽሪ 1ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ ሸይሙ፡፡  

እቶም ዋና ጸሓፊ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ደጊሞም ብምምራፆም እንዃዕ ደስ በሎም ኢሎም፡፡

ዝቕፅል ዘመን ስራሖም እውን ዕዉት ክዀነሎም ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

ኢጋድ ምስ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ኣብ ሰላምን ድሕነትን ከምኡውን ንዞባዊ ብልፅግና ብምትሕብባር ንምስራሕ ቆራፅ ምዃኑ ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም