ኢትዮጵያ ብዕብየት ንቕድሚት ክትቅፅል እያ፡- ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ አበባ፤ መስከረም 25/2019 (ኢዜአ)፡- ኢትዮጵያ ፈተናታት ብፅንዓት ተሳጊራ  ብዕብየት ንቕድሚት ክትቅፅል እያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ምስረታ ሓዲሽ መንግስትን ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ይካየድ ኣሎ።

እቲ ሓዱሽ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ብቀዳማይ ሚኒስትርነት ንክመርሑ መሪፅዎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ነቲ ሹመት ስዒቡ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሓት ፈተናታት ብፅንዓት ከም ዝሓለፈት ገሊፆም።

ዕብየትን ሕንባበን ኢትዮጵያ ዘይተዋሕጠሎም ግዳማውን ፀላእትን ውሽጣዊ ባንዳታት ሃገር ንምውዳቕ እናሰርሑ ከም ዝኾኑ ተዛሪቦም።

ውሽጣዊ ባንዳታት ንኢትዮጵያ ኣይኽእልዋን፤ ካብ ሕልማ ማንም ኣየዐንቅፋን ክብሉ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ድልየታታ ብባዕላዊ ዓቕሚን ጉልበትን ንምዕዋት ከም ትኽእል ኣመላኺቶም።

መንግስቲ ተንካራን ዘይስዓርን ቁጠባውን ፖለቲካውን ስርዓት ይሃንፅ ኣሎ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ፀገማትን ፈተናታት ብፅንዓት ተሳጊራ ዝዓለመቶ ቦታ ክትበጽሕ ከም ትኽእል ኣመላኺቶም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም