ኢትዮጵያ እኩይ ተግባር ፀላእቲ ብብቕዓት ንምክልኻል ድልውቲ እያ፡- ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ አበባ፤ መስከረም 25/2019 (ኢዜአ)፡- ኢትዮጵያ እኩይ ተግባር ፀላእቲ ብብቕዓት ንምክልኻል ድልውቲ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ምስረታ ሓዱሽ መንግስትን ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ይካየድ ኣሎ።
ሓዱሽ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ብቀዳማይ ሚኒስትርነት ንክመርሑ መሪፁ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ነቲ ሹመት ስዒቡ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፣ ኣብቲ መረፃ ንዝተሳተፉ 54 ሚልዮን ዜጋታት ምስጋና ዘቕረቡ ኮይኖም፤ ብድምፆም ሃገር ንምፅናዕ ንዝገበርዎ ዕዉት ተሳትፎ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም።
መበል 7 ሓፈሻዊ መረፃ ተኻይዱ ተባሂሉ ዝሕለፍ ጥራሕ ዘይኰነስ ብብዙሕ መዳያት ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ተዛሪቦም።
እቲ መረፃ ኣብ ኢትዮጵያ ባህሊ ዲሞክራሲያዊ እናዓበየ ከምዝመፀን ድልየት ሓይልታት ወፃእን ውሽጢ ሃገርን ዝፈሸለሉ ምዃኑ ገሊፆም።
ሃገራዊ፣ ዞባውን ዓለም ለኻውን ኩነታት ብቅልጡፍ እናተቐያየሩን ዘይተገማቲ እናኾነ ምምፃኡ ብምጥቃስ፣ ነዙይ ድማ ቀዲምካ ምድላው ዕዳ ዘይኮነስ ሃፍቲ ዘምፅእ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ብታሪኽ ቅድሚ ሐዚ ብዝተፈላለዩ ጉዳያት ድልውቲ ብዘይምዃና ብዙሕ ዋጋ ከፊላ እያ ክብሉ እውን ኣመላኺቶም።
ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፉ ጌጋታታ ብምምሃር ንዝመፁ እኩይ ተግባር ፀላእትን ተፅዕኖታትን ንምክልኻል ኣድላዪ ምድላው ምግባራ ኣመላኺቶም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም