ካብ ድምፂ ክሳብ ሓደራ - ኢዜአ ትግርኛ
ካብ ድምፂ ክሳብ ሓደራ
ዓባይ ሃገር፣ ዓባይ ህዝቢ፤ ዓብይ ራእይ
ካብ ድምፂ ክሳብ ሓደራ
መረፃ ንህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ መሰረት ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ህዝቢ ኣብ መፃኢ ጉዕዞ ሃገሩ ዝውስነሉ ታሪኻዊ መድረኽ እዩ።
ኢትዮጵያውያን ብቢእዋኑ ዘጋጥምዎም ዘመናት ዝተሳገሩ ፖለቲካዊ ውፃእ ውረዳት፣ ማሕበራዊ ፀቕጢታትን ሃገራዊ ፈተናታትን ብትዕግስትን ፅንዓትን ብምሕላፍ ንምዕራፍ ምስረታ ሓዱሽ መንግስቲ በቒዖም ኣለዉ።
ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ ሃገራዊ መረፃ ልዕሊ 54 ሚሊዮን ዜጋታት ኣብ መረፃ ጣቢያ ብምርካብ ዝሃብዎ ድምፂ ቁፅሪ ጥራሕ ዘይኮነስ ትርጉሙ ብዙሕ እዩ።
ሃገራዊ ሓድነት ንምጥንኻር፣ ልዕልና ሕጊ ንምርግጋፅን ዘላቒ ተስፋን ዕብየትን ህዝቢ ንምዕዋትን ዝተውሃበ ዓባይ ህዝባዊ ውክልና እዩ።
እዚ ብናፅነትን ሰላምን ዝተውሃበ ልዑል ድምፂ ህዝቢ ንብልፅግና፣ ሰላምን ልኡላዊነትን ሃገሩ ዘለዎ ፅኑዕ ድልየት ብግልፂ ዘርኣየሉ ኣጋጣሚ ነይሩ ።
ሎሚ ዝምስረት ሓዱሽ መንግስቲ እውን ኣብዞም ብሚልዮናት ዝቑፁሩ ዜጋታት ድልየትን እምነትን ዝተመስረት ጠንካራ መሪሕነት ንምህናፅ ዘኽእል ሙሉእ ሕጋውን ህዝባውን ሓደራ ኣለዎ።
ዜጋታት ብድምፆም ዘረከብዎ ሓደራ እቲ ሓዱሽ መንግስቲ ሃገራዊ ሰላም ከሰፍን፣ ቁጠባዊ ዕብየት ከቐልጥፍን ሕቶታት ህዝቢ ብፍትሓዊ መንገዲ ንክምልስ ዝተውሃቦ ዓቢይ ሓላፍነት እዩ።
ስለዝኾነ እዚ ታሪኻዊ እዋን ሓደራ ህዝቢ ብሓቀኛ ኣገልግሎት፣ ብትግሃትን ቅንዕናን ናይ ምፍፃም ሓዱሽ ምዕራፍ ስራሕን ታሪኽን መፈለምታ ዘበስር እዩ።