ናይ ኢትዮጵያ ዋናኒት ኣፍ ደገ ባሕሪ ምዃን እቲ ዞባ ብኢንዱስትሪ ክትኣሳሰር ዝገብር እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 24/2019 (ኢዜኣ)፦ ናይ ኢትዮጵያ ዋናኒት ኣፍ ደገ ባሕሪ ምዃን እቲ ዞባ ብኢንዱስትሪ ክትኣሳሰር ከም ዝገብር በዓል ሞያ ቁጠባ ዘመደነህ ንጋቱ ገሊፆም።

በዓል ሞያ ቁጠባ ዘመደነህ ንጋቱ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ካልኣይቲ ቅልጡፍ ቁጠባ ዘመዝገባት ሃገር ዋላ እንተኾነት፣ እቲ ዕብየት  ብዘላቕነት ንምቕፃል ፀገም ወደብ  ክፋትሕ  ከም ዘለዎ ገሊፆም።

እታ ሃገር ዝለዓለ ቁፅሪ ህዝቢ፣ ዓብይ ቁጠባ፣ ሰፊሕ ሃፍትን ሰፊሕ ዕዳጋን ዘለዋ ምዃና ብምግላፅ፤ ፀገም ኣፍ ደገ ባሕሪ ተተፈቲሑ  ማእኸል ኣፍረይቲ  ኢንዱስትሪታት ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪካን ክትከውን ከም ትኽእል ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘጋጠሙ  ከም ለበዳ ኮቪድ-19፣ ኵናት ሩስያን ዩክሬንን ከምኡ እውን ቅልውላው ጂኦፖለቲካ ንቁጠባ ዓለም ከም ዝተፈተንዎ ብምጥቃስ፤ ቁጠባ ኢትዮጵያ ምዕባዩ፣ ጠንካራን ፀገማት ዝፀወርን ቁጠባ ምህናፁ ሓበሬታታት ኣይኤምኤፍን ባንኪ ዓለምን ከም ዘረጋግፁ እውን ተዛሪቦም።

ነዚ ዓወት ምምሕያሽ ሸርፊ ወፃኢ፣ዓውድታት ንኢንቨስተራት ወፃኢ ክፉቲ  ምግባርን ሪፎርም ትካላት ዝሓቖፈ ሃገር በቀል  ሪፎርም ኢኮኖሚ ዓብይ  ኣበርክቶ ከም ዝገበሩ ገሊፆም።

ብፍላይ ድማ ብምኽንያት ምምሕያሽ  ፖሊሲታት ኣታዊ ንግዲ ወፃኢ ካብ 3.5 ቢልዮን ዶላር ናብ 11 ቢልዮን ዶላር ዝዓበየ ኮይኑ ፤ እዙይ ድማ ብኣጋጣሚ ዘይኰነስ ብትኵረት ብዝተሰርሐ ስራሕ ዝተረኽበ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ካብ ቡን ብተወሳኺ ምህርቲ ወርቂ ነቲ ለውጢ ብግንባር ቀዳምነች  ከም ዘመሓየሾ ጠቒሶም።

ብሓፈሻ ምምሕያሽ  ኣሰራርሓን ፖሊሲታትን ከምኡ እውን ዓይነታት ምህርቲ ንግዲ ወፃኢ ምብዛሕ ንቀፃሊ ሃገራዊ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ዘላቕነት ወሳኒ ምዃኖም ኣረዲኦም።

ዕዳጋ ካፒታል ምምስራቱ  ዜጋታት በብዕለቱ ኣክስዮን ንኽዕድጉን ኩባንያታት ካፒታሎም ንኸዕብዩን ከም ዝኽኣለ ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲታት ቴክኖሎጂ፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ ቱሪዝምን ሕርሻን ሃገራዊ ተወዳዳርነት ዘዕብዩ ስራሕቲ እናተሳለጡ  ምዃኖም ገሊፆም።

ፀብፃብ ትካል ንግድን ልምዓትን ሕቡራት መንግስታት (UNCTAD) መሰረት ብምግባር ከም ዝገለፆዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብቀዋሚነት ካብተን ሓሙሽተ ዓበይቲ ተቐበልቲ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ኣፍሪካ እንትትኸውን፤ እዙይ ድማ ውፅኢት ንኢንቨስትመንት ምቹዋት ዝዀኑ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን  ምዃኑ ኣመልኪቶም።

መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ፣ ፕሮጀክትታት ፋብሪካ ማዳበሪያን  ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ኣብ ቀፃሊ  ንቁጠባዊ ዕብየት  ዓብይ ኣበርክቶ ዝገብሩ ዓበይቲ  ልምዓታት ምዃኖም ጠቒሶም።

እታ ሃገር ዘለዋ ሰሓባይነት ቁጠባ ዘላቒ ንምግባርን ኢንቨስትመንት ምስሓባ ንምቕፃልን፣ ትካላት ምጥንኻር፣ ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት ብዝበለፀ ክዝርግሑ ከም ዘለዎም ጠቒሶም።

ኣብ ቀፃሊ  ሓዱሽ ምስረታ መንግስቲ ዝተጀመረ ሪፎርም ተጠናኺሩ ክቕፅል ከም ዘለዎ ብምግላፅ፤ ሓደሽቲ ኢንሼቲቫት ተግባራዊ  ምግባር የድሊ  እውን ኢሎም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም