ኣብ ኢትዮጵያ ተሳትፎ ዜጋታት ኣብ ዕዳጋ ካፒታል ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናዓበየ መፂኡ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 24/2019 (ኢዜኣ)፦ ዜጋታት ኣብ  ዕዳጋ ካፒታል ኢትዮጵያ እናገበርዎ ዘለዉ ተሳትፎ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናዓበየ ምምፃኡ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ዕዳጋ ካፒታል ኢትዮጵያ ሃና ተህልቁ ገሊፀን።

ትግባራ ሃገር በቀል ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚያዊ  ኢትዮጵያ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ትርጉም ዘለዎ ውፅኢት እናርከበ እዩ።

ካብ ፍረታት እቲ  ሪፎርም ሓደ ምምስራት ዕዳጋ ካፒታል እንትኸውን፣  ዜጋታት ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ብንጥፈት ንክሳተፉን ተጠቃምነቶም ንክረጋገፅን ዝተወሰደ ስጉምቲ ዝጥቀስ እዩ።

ምስ ኢዜአ ፃንሒት ዝገበራ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ዕዳጋ ካፒታል ኢትዮጵያ ሃና ተህልቁ፤ እቲ ኢኮኖሚያዊ ሪፎርም ካብ ዘርከቦም ውፅኢታት እቲ ሓደ ምምስራት በዓል መዚ ዕዳጋ ካፒታል ኢትዮጵያ ምዃኑ ገሊፀን።

ኣብቲ ዕዳጋ ተሳትፎ ዜጋታት ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናዓበየ ምምፃኡ ዝገለፃ እተን ዋና ዳይሬክተር፤ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 50 ሚልዮንን 60 ሚልዮን ብር ዔድጊት ንክፍፀም ምግባር ከም ዝተኽኣለ ገሊፀን።

ሕብረተሰብ ኣብቲ ዕዳጋ ንክሳተፉ ዘሎ ድልየት ምውሳኹ እቲ ዓብይ ዓወት ምዃኑ እውን ኣመላኺተን።

ናብቲ ዕዳጋ ዝፅምበሩ ተዋሳእቲ  ፍቓድ ካብ ምሃብ ብተወሳኺ  ጠንካራ ምርመራ ከም ዝግበረሎም ብምግላፅ፤ ዝዀነ ይኹን ኣገልግሎት ውሃቢ ዕዳጋ ካፒታልን መውፅኢ  መዋእለ ንዋይን ናብ ስራሕ ምስ ኣተወ  ኣብቲ ኣሰራርሓ ቁፅፅር ከም ዝግበረሉ ገሊፀን።

 

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም