በዓል ሆረ ኣርሰዴ ኢሬቻ ኣብ ቢሾፍቱ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
በዓል ሆረ ኣርሰዴ ኢሬቻ ኣብ ቢሾፍቱ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 24/2019 (ኢዜአ)፦ በዓል ሆረ አርሰዴ ኢሬቻ ኣብ ቢሾፍቱ መልካ ኣርሰዴ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ።
በዓል ሆረ ኣርሰዴ ኢሬቻ ብኣባገዳታትን ሃደ ሲንቄታትን ስነ-ስርዓት ምርቃት ዝተጀመረ እንትኸውን፤ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መልካ አርሰዴ ስነ-ስርዓት ኢሬፈና (ምስጋና) ይካየድ ኣሎ።
ኢሬቻ ህዝቢ ኦሮሞ ክረምቲ ብሰላም ብምዝዛሙ ንኹሉ ነገር ንዝፈጠረ ኣምላኽ ምስጋና ዘቕርበሉን ዝመፅእ ዘመን ሰናይ ንኽኸውን ፈጣሪ ዝልምነሉን በዓል እዩ።