በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ብፍሉይ ድምቀት ብምኽባር ተዛዚሙ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 23/2019 (ኢዜኣ) በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ እዚ ዓመት ባህላዊ ክብሩን ፀግኡን ሓልዩ ብሰላምን ሓጎስን ብፍሉይ ድምቀት ብምኽባር ከም ዝተዛዘመ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
እተን ከንቲባ ኣብ መልእኽተን፤ ኢሬቻ መግለፂ ምስጋና፣ሰላም፣ፍቕርን ሓድነትን እዩ ኢለን።
ፀጋታት ኢሬቻ ብተግባር ብምግላፅ፣ዓቕምታትና ኣተሓባቢርናን ሓድነትና ኣፅኒዕናን ንሰላም ኢትዮጵያ፣ሃገራዊ ምርድዳእን ኩለ መዳያዊ ብልፅግናን ንትጋህ ክብላ እውን ፃውዒት ኣቕሪበን።
እቲ በዓል ብሰላም ንክዛዘም ንዝገበሩ ኣካለት ኩሎም ድማ ምስጋና ኣቕሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም