ኣይተ ኣደም ፋራህ ንበዓል ኢሬቻ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣይተ ኣደም ፋራህ ንበዓል ኢሬቻ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 22 /2019(ኢዜኣ) ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ በዓል ኢሬቻ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፅሐኩም ኣመሓላሊፎም።
ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ መልእኽቶም፤ ኢሬቻ ንክብሪታት ሓቢርካ ምንባር፣ ሰላም፣ ምክብባር፣ ዕርቂን ፅኑዕ ማሕበራዊ ምትእስሳርን ዘጉልህ ዓብዪ ባህላዊ መድረኽ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።
እቲ በዓል ንሰላም፣ ብሄራዊ ሓድነትን ምዕባለን ሃገርና ብዝበለፀ ንክንተግህ ዓብዪ ምንቕቓሕ ዝፈጥር ክኸውን ይምነ ኢሎም።