ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል ኢሬቻ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 22/2019 (ኢዜኣ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል ኢሬቻ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፤ ህዝቢ ኦሮሞ ኢሬቻ ፈተናን ዝናብን እዋን ክረምቲ ሓሊፉ ተፈጥሮ ብሓምለዋይ ፅባቕአን ዕምበባን ተዋሂዳ እዋን ብራ እንትብሰር ንፈጣሪኡ ምስጋና ዘቕርበሉ ፅቡቕ በዓል ምስጋና እዩ ኢሎም።

ኢሬቻ ዝሓለፈ ብምስጋና ብምዝካር ንሕዚ ድማ ብሰላም ዘኽብር፣ መፃኢ እውን ብተስፋ ዝቕበል መግለፂ ሓድነት እዩ ክብሉ

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኢሬቻ መሰረት ሰላምና፣ ጥንካረ ሓድነትናን ሓባራዊ ፅባሕናን ብዝበለፀ ዘብርሀሉ በዓል ይኹን ክብሉ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

#ዓባይሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም