ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ንምጥንኻር ዘለዎም ቆራፅነት ኣረጋጊፆም

ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 21/2019 (ኢዜኣ) ፦ ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ብዝበለፀ ንምዕባይ ከም ዝሰርሑ ኣፍሊጦም።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴን ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ  ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)ን ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር  ኦፕሬሽን ባንኪ ዓለም  ኣና ቤርዴ  ተዛቲዮም።

ኣብቲ ዘተ  ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ከምኡ'ውን ምክትል ፕረዚዳንት ምብራቕን ደቡባዊ ኣፍሪካን ባንኪ ዓለም ንድያሜ ዲዮፕ ተረኺቦም እዮም።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያ ሓገዝ በጀት ሓዊሱ ንዝገብሮ ዘሎ ዘላቒ ሓገዝ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም።

እቶም ሚኒስትር ኢትዮጵያ ትትግብሮ ዘላ ኣጀንዳ ምምሕያሽ  ኢኮኖሚ ኣመልኪቶም ንመራሕቲ ባንኪ ዓለም ገለፃ ገይሮም።

በዙይ እውን ዓቕሚ ምእካብ እቶት ውሽጢ ሃገር፣ ምቹውነት ስራሕ ንግድን ተሳትፎ ሰብሃፍቲ  ውልቀ ኣብ ንግዲ ክዓቢ ምግባሩ ኣመላኺቶም።

ማኔጂንግ ዳይሬክተር  ኦፕሬሽን ባንኪ ዓለም ኣና ቤርዴ ብኣጀንዳ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝተመዝገበ ለውጢ ንኢዶን።

መንግስቲ ዓውዲ ውልቀ ማእኸል ዝገበረ ዕብየት ንኽህሉን፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ንምዕባይ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝረአዮም ጭቡጣት ለውጢታት ኣልዒለን።

ባንኪ ዓለም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ምሕዝነት ብዝበለፀ  ንምጥንኻር   ቀዳሚ ትኹረት  ልምዓት እታ ሃገር ንምድጋፍን ቆራፅ ምዃኑ ኣረጋጊፁ።

ብፍላይ ኣብ ትሕቲ  ሓዱሽ ማዕቐፍ ሽርክና  ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ዓውዲ ውልቀ ብዋንነት  ናብ ዝመርሖ ምዕራፍ ዕብየት ንምስግጋር ኣብ ዝካየዱ ስራሕቲ  ምትሕብባር ንምጥንኻር ድልየት ከም ዘሎ ኣልዒለን።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፤ ኣቕርቦት ሓይሊ  ኤሌክትሪክ ንኹሉ ዜጋ ተበፃሒ ምግባር፣ ምትእስሳር  ዓውዲ ሕርሻን ቴክኖሎጂን እታዎትን  ምዕባይ፣ መካይን ኤሌክትሪክ ሓዊሱ ዘመናዊ ስርዓት መጓዓዝያ ምዝርጋሕ፣ ከምኡ'ውን ኣጠቓቕማን ተበፃሕነትን ሃፍቲ ማይ ንምርግጋፅ ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ከም ዝሰርሑ  ገሊፆም።

ከምኡ'ውን ኢትዮጵያ ብለውጢ ኩነታት ኣየርን ካብ ወፃኢ ንዝመፁ ጸገማት ንምፅዋር ዘኽእላ ተወሳኺ መገዲ መርከቢ ሓገዝ ገንዘብ ምስፍሕ ኣድላዪ ምዃኑ ዘቲዮም።

ክልቲኦም ወገናት ስርሕቲ ልምዓት ብቅልጡፍን ብፅሬትን ንምስራሕ ኣብ ውሽጢ ዝተዳለወ ማዕቀፍ ድልዉነት ልምዓት ብቆራፅነት ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት በፂሖም።

እቲ ማዕቀፍ ንቀጥታዊ ተረባሕነት ህዝቢ ዝውዕሉን ጭቡጥ ለውጢ ዘምፅኡ  ውፅኢታት ንምምጋብ ተባሂሉ ዝተዳለወ እዩ።

እቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ዘሎ ጠንካራ ምሕዝነት ዳግም ዘረጋጋገፀ ምዃኑ ኢዜኣ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።

እዙይ  ድማ ትራንስፎርሜሽን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ምቆልጣፍ፣ ፀገማት ተፀዊርካ ንምሕላፍ፣ ከምኡ'ውን ዕብየት ዓውዲ ውልቀ ምምራሑ  ዝህልዎ ዘላቒ ዕብየት ንምዕዋት ጠንካራ ሓባራዊ ቆራፅነት ከም ዘለዎም ዘርኢ እዩ ኢሉ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም