ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ልዑል ውፅኢት ንዘመዝገቡ ተምሃሮ ሽልማት ሂበን

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 21/2019 (ኢዜኣ) ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 2018 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ልዑል ውፅኢት ንዘምፅኡ ተምሃሮ ሎሚ ኣፍልጦን ሽልማትን ሂበን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ኣብ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ልዑል ውፅኢት ንዘመዝገብኩም ተምሃሮ ሎሚ ኣፍልጦን ሽልማትን እንትንህበኩም ልዑል ሓጎስን ኩርዓትን ይስመዓና ኢለን።
እቲ ስነ ስርዓት ኣፍልጦን ሽልማትን ዋጋ ውፅኢትኩም ኣፍልጦ ንምሃብ ጥራሕ ዘይኮነስ ንካልኦት ተምሃሮ እውን ተስፋ ዝኾንኩምሉ እጃም ንምጉላህ እዩ ክብላ እውን ሓቢረን።
ውፅኢት ብኣጋጣሚ ከም ዘይርከብ ዝገለፃ እተን ከንቲባ፤ ካብ ግልፂ ዕላማ፣ ትግሃት፣ ግዜ ብኣግባቢ ምጥቃምን ፅንዓትን ዝፍልፍል ከም ዝኾነ ገሊፀን።
እዚ ሎሚ ዘመዝገብኩሞ ዓወት ናይዞም ፃዕርታት ውፅኢት እዩ ዝበላ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ እዚ ክብሪ ድማ ንዓኹም ጥራሕ ዘይኮነስ ንቤተሰብኩም፣ መምህራንኩምን መላእ ማሕበረሰብ ትምህርትን ዝግባእ እዩ ኢለን።



ይኹን እምበር ውፅኢት መወዳእታ ዘይኮነስ መበገሲ ቀፃሊ ዓወት ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ድሕሪ ሕዚ ዝፅበየኩም ዝበለፀ ፍልጠት፣ ሓላፍነትን ዓብይ ዕላማን ከም ዝኾነ ኣብሪሀን።
ክቡራት ተምሃሮና እትመሃሩ ንፈተና ጥራሕ ዘይኮነስ ንህንፀት ሃገር፣ ማሕበረሰባዊ ለውጥን ንዝሓሸ ፅባሕን እዩ ኢለን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም