ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ንክዕፀው ወሲና - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ንክዕፀው ወሲና
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 21/2019(ኢዜኣ) ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ንክዕፀው ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ።
ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፤ ካብ ኤርትራ ንዝተፈፀሙ ቀጥታውን ተዘዋዋርን ትንኮያታትን ፍፃመታት ፀላእን ምላሽ ንምሃብ ኣብ ኤርትራ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ንምዕፃው ውሳነ ከም ዘመሓላለፈ ገሊፁ።
እቲ ሚኒስቴር ወሲኹ እውን ድንጋገታት ስምምዕ ርክብ ዲፕሎማሲ ብምጥሓስ፣ ኣብ ልዕሊ ብሄራዊ ድሕንነት ኢትዮጵያ ቀጥታ ሓደጋ ኣብ ዝፈጥሩ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ተሳቲፎም እዮም ዝበሎም 10 ዲፕሎማት ኤርትራ ካብ ሃገር ንክሰናበቱ ከም ዝተኣወጀ ኣመላኺቱ።
እዞም ዲፕሎማት እውን ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብ ኢትዮጵያ ንክወፁ ከም ዝተኣዘዙ ኣረዲኡ።
ብካሊእ መዳይ ኢትዮጵያ መንግሥቲ ኤርትራ ምስ ቅዋማት ርክብ ሉኣላዊ ሃገራት ፈፂሞም ካብ ዝፃረሩ ዝኾኑ ዓይነት ተግባራት ጠጠው ንከብል ኣተሓሳሲባ።
እታ ሃገር ምስ ኤርትራ ዘለዋ ጠንካራ ታሪኻዊ፣ ባህላውን ምትእስሳር ህዝቢ ንህዝብን ዋጋ ከም ትህብ ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር፤ ኢትዮጵያ ብሰላም ሓቢርካ ምንባር፣ ንዞባዊ ምርግጋዕን ምትሕብባርን ኩሉ ግዜ ቀዳምነት ከም ትህብ እውን ኣብሪሁ።
ብተወሳኺ እውን ኢትዮጵያ ዘይምርድዳኣት ብሰላማዊ መንገዲ ናይ ምፍታሕ ድሌታ ብምግላፅ፤ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላም፣ ድሕንነትን ዞባዊ ምትእስሳርን ንክዓስል ቆራፅ ከም ዝኾነት እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።