ኢትዮጵያ ብግብፂ ዝተዓናቐፉ ፕሮጀክትታት ዝግምግም ዓቢዪ ኮሚቴ ካሕሳ ኣጣይሻ

ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 21/2018 (ኢዜኣ) ፦ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ግብፂ ዝተዓናቐፉ ፕሮጀክትታት ማይ ኢኮኖሚያዊ ጉድኣታትን ዘምለጡ ዕድላት ልምዓትን ዝግምግም ሃገራዊ ኮሚቴ ካሕሳ ከም ዘጣየሸት ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ ኣፍሊጦም።
ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ ምስ ኢዜአ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ከም ዝገለፅዎ፤ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብግብፂ ዝተዓናቐፉ ልዕሊ 22 ፕሮጀክትታት ልምዓት በቲ ኮሚቴ ተፈልዮም ናብ ስራሕ ተእቲዩ እዩ።
ስግኣት ነዊሕ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ዙረያ ዘይምጥጣን ልምዓት ተፋሰስ ዓባይ ኣመልኪቱ እናወሰኸ ዝመፀ ምሁራዊ ሓገዝ ከም ዘሎ ብምሕባር፤ እዙይ ድማ ኣብ ታሪኽ ንዘጋጠማ ኢኮኖሚያዊ ጉድኣትን ንዘምለጡ ዕድላት ልምዓትን መከሓሓሲ ንኽትረክብ ዘለዋ ሕቶ ከም ዝጠናኽሮ ገሊፆም።
እቲ ሓዱሽ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ኣብቶም ፕሮጀክትታት ሓበሬታታት እናዋደደን መሰረት ሕቶ ካሕሳ ኢትዮጵያ እናመርመረን ምዃኑ ሚኒስትር ኢንጂነር ሃብታሙ ተዛሪቦም።
እቲ ኮሚቴ መጠን ጉድኣትን ንዓኣቶም ንምፍታሕ ዝሕግዙ ኣገባባት እናመርመሩ ዝርከቡ ክኢላታት፣ ነበር ሚኒስትራት፣ ኣማኸርትን ሰብ ሞያ ሕግን ከም ዝሓውስ ኣመላኺቶም።
ኣብዚ እዋን ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ብሰንኪ ግብፃውያን ምዕንቃፎም ዝምልከቱ ሓበሬታታት ከም ዝተኣከቡ ብምሕባር፤ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ለኸ ገበን ብዝኾነ ተግባር ንኢትዮጵያ ከፈራርሑ ከም ዝፀንሑ እውን ሓቢሮም።
እቲ ኮሚቴ ዘካይዶ ግምገማ ተግባራዊ ንከይኾኑ ዝተገበሩ ፕሮጀክትታት ጥራሕ ዘይኮነስ ፃዕርታት ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያን መሰረተ ልምዓታት ምምሕዳር ማይን ንታሕተዎት ተፋሰስ ዝህብዎ ረብሓ ከም ዘፅንዕ ኣብራህሪሆም።

ብተኸላ ፈልሲ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 50 ቢልዮን ፈልስታት ከም ዝተተኸሉ ብምዝኽኻር፤ ነዚ ድማ ባሮ፣ኣበይን ተከዘን ሓዊሱ ኣብ መብዛሕቲኦም ዋና ዋና ሩባታት ስራሕቲ ተፋሰስ ከም ዝተሳለጡ ሓቢሮም።

እዞም ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢ ሃፍቲ ማይ ኢትዮጵያ ንምሕላውን ኣብ ተፋሰስ ኣባይ ፅልዋታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻልን ዝገበረቶ ኣስተዋፅኦ ከም ዘፅንዕ እውን ኢንጂነር ሃብታሙ ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ እውን ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዋሕዚ እቲ ረባ ኣብ ምቁፅፃር ልዑል እጃም ከም ዘለዎ ብምግላፅ፤ ኣሰራርሓ እቲ ግድብ ንታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ካብ ሓደጋ ውሕጅ ንምድሓንን ዝናብ ኣብ ዝሓፅሮም እዋናት ቀረብ ማይ ንምቕፃልን ከም ዝሕግዝ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ንዘለዉ ምስ ኤልኒኖ ዝተኣሳሰሩ ኩነታት ዝናብ ኣድላይነት ዝተዋደደ ምምሕዳር ማይ ከምዘርእዩ ብምሕባር፤ ምቁፅፃር ዋሕዚ ማይ ሱዳንን ግብፅን ሓዊሱ ንታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ረብሓታት ከም ዘለውዎ ፀሪሖም።

ካሕሳ ንምርካብ ክኽተልኦም ዝግባእ ኣማራፅታት እንትዝርዘሩ ኣካይዳ ኢትዮጵያ ግልፂ ዝኾኑ ምዕራፋት ዘለውዎ ከም ዝኸውን፣ድርድርን ሓባራዊ ምርድዳእን ተመራፂ ኣማራፂ እንትኸውን፣ካልኦት ኩነታት ድማ ኢትዮጵያ ተወሳዂ ስጉምትታት ንክትወስድ ዝገብሩ ከም ዝኾኑ ኣረዲኦም።

#ዓባይሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም