መበል 2ይ ጉያ ኢሬቻ “ኢሬቻ ንሃገራዊ ምርድዳእ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ቢሾፍቱ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ - ኢዜአ ትግርኛ
መበል 2ይ ጉያ ኢሬቻ “ኢሬቻ ንሃገራዊ ምርድዳእ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ቢሾፍቱ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ
ቢሾፍቱ/መስከረም 21/2019 (ኢዜኣ) ንድሮ በዓል ኢሬቻ 2019 ዓ/ም ብዝምልከት መበል 2ይ ጉያ ኢሬቻ “ኢሬቻ ንሃገራዊ ምርድዳእ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ቢሾፍቱ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ኢሬቻ ናይ ምስጋና፣ዕርቂ፣ፍቕርን ሓድነትን በዓል ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ብሄራትን ብሄረሰባትን ናብ ሓደ ዘምፅእ ከምኡ እውን ምርድዳእ፣ሰላምን ሕውነትን ዘጠናኽር ሓባራዊ መድረኽ እዩ።
እቲ በዓል ባህልን ፀጋን ኦሮሞ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ካብ ምትሕልላፍ ብዝዘለለ ኣብ ውሽጢ ኣፈላላይ ምክብባርን ፍቕርን ብምዕባይ ሓባራዊ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ብብርኪ ዓለም ሃገርና ንምልላይ ዕድል እናፈጠረ እዩ ዝርከብ።
ዕላማ እዚ ጉያ ጎደና እውን ኢሬቻ መድረኽ ሕውነት፣ሓድነትን ይቅርታን ከም ዝኾነ ንዓለም ብምልላይ ሰሓባይነቱ ምዕባይ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።