ስነ ስርዓት ምንባር እምነ ኩርናዕ ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ላሙ ዓቕሚ ኢንዱስትሪ ኣፍሪካ ንምዕባይ ዓብይ ስጉምቲ ከም ዝኾነ መረጋገፂ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ስነ ስርዓት ምንባር እምነ ኩርናዕ ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ላሙ ዓቕሚ ኢንዱስትሪ ኣፍሪካ ንምዕባይ ዓብይ ስጉምቲ ከም ዝኾነ መረጋገፂ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 20/2019 (ኢዜኣ) ስነ ስርዓት ምንባር እምነ ኩርናዕ ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ላሙ ዓቕሚ ኢንዱስትሪ ኣፍሪካ ንምዕባይ፣ሰፋሕቲ ዕድላት ንምፍጣርን ኣብ መላእ ምብራቕ ኣፍሪካ ንዝለዓለ ሉኣላዊነት ኢንዱስትርን ኢኮኖሚን መሰረት ንምንባር ዓብይ ስጉምቲ ከም ዝኾነ ዘረጋግፅ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝበልዎ፤ ስነ ስርዓት ምንባር እምነ ኩርናዕ ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ላሙ ዓቕሚ ኢንዱስትሪ ኣፍሪካ ንምዕባይ፣ሰፋሕቲ ዕድላት ንምፍጣርን ኣብ መላእ ምብራቕ ኣፍሪካ ንዝለዓለ ሉኣላዊነት ኢንዱስትርን ኢኮኖሚን መሰረት ንምንባር ዓብይ ስጉምቲ ከም ዝኾነ ዘረጋግፅ እዩ።
ኣብ ኣህጉርና ትርከቡ መራሕቲ ኢንዱስትሪ፣ ሰብ ሃፍትን ፈጠርቲ ስራሕን፣ኣብ ኣፍሪካ ኢንቨስት ክትገብሩ፣ ብዘለና ዓቕምን ሓባራዊ ፀጋን እምነት ክህልወኩም ከምኡ እውን መፃኢ ዕድል ኣህጉርና ዝውስኑ ለውጢ ኣምፃእቲ ፕሮጀክታት ክትሃንፁ ይግባእ ኢሎም።
መፃኢ ዕድል ኣፍሪካ ብሓባር ክንሃንፆ ዝግባእ ሓባራዊ ሓላፍነትና እዩ ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።