መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ኩባንያ ቦይንግ ስምምዕነት ዕድጊት ነፈርቲ ተፈራሪሙ - ኢዜአ ትግርኛ
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ኩባንያ ቦይንግ ስምምዕነት ዕድጊት ነፈርቲ ተፈራሪሙ
ኣዲስ ኣበባ ፤ መስከረም 20/2019 (ኢዜአ) ፦ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዓቕሚ ካርጎኡ ብዝለዓለ ብርኪ ዘዕቢ ስምምዕነት ዕድጊት 10 ነፈርቲ ፅዕነት ቦይንግ 777 ምስ ኩባንያ ቦይንግ ተፈራሪሙ።
ንዕውትነት ዓባይ ሃገር፣ ዓብይ ህዝብን ዓባይ ትልሚን ዝልዓለ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ዝርከብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዓወት ዘሰጋገሮ ስምምዕነት ዕድጊት ነፈርቲ እዩ ኣብዚ ዕለት ተፈራሪሙ ዘሎ።
እቲ ስምምዕነት ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰውን ላዕለዋይ ምክትል ፕረዚደንት ንግዲ መሸጣን ማርኬቲንግን ኩባንያ ቦይንግ ብራድ ማክሙለን (Brad McMullen) ተፈራሪሞምዎ።
እቲ ስምምዕነት ኢትዮጵያ ኣብ ዞባውን ዓለም ለኻውን መጓዓዝያ ፅዕነት ኣየር ዘለዋ ግደ ንምጥንኻር ከምኡ እውን እቲ መገዲ ኣየር እናወሰኸ ዝመፀ ድልየት ዓማዊል ንምምላእ ዘለዎ ዓቕሚ ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ።
ብተወሳኺ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተበፃሕነት ፅዕነቱ ንምስፍሓሕ ዝነደፎ ናይ ነዊሕ እዋን ስትራቴጂ ዝድግፍ ምዃኑ እውን ተገለፁ።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ስነ-ሰርዓት ፊርማ ከምዝገለፅዎ፤ ሎሚ ዝተገብረ ስምምዕነት ሾመንተ ኣዝየን ዘመናውያን ነፈርቲ ፅዕነት B777-8Fን ኽልተ ነፈርቲ ፅዕነት B777 ንምግዛእ ዘኽእል እዩ።
እቲ ስምምዕነት ዕድጊት ነፈርቲ ኣካል እቲ መገዲ ኣየር ኣብ 2040 ንምዕዋት ዝሓዞ ትልሚ ዕብየት ስትራቴጂ ቁፅሪ ነፈርቲ ምዕባይን ብቴክኖሎጂ ምዝማን ኮይኑ፣ ካብቶም ዋና ዋና ዓምድታት ሓደ ምዃኑ እውን ኣመላኺቶም።
እተን ነፈርቲ ሕድሕደን ክሳብ 117 ቶን ዝመዛዘን ፅዕነት ክሽከማ ዝኽእላን ነዳጅ ቆጠብትን ምዃነን ዝገለፁ እቲ ዋና ፈጻሚ ስራሕ፣ እዙይ ድማ ንስረሕቲ ካርጎ እቲ መገዲ ኣየር ብዝለዓለ ብርኪ ንምዕባይ ከምዝጠቅም ተዛሪቦም።
እቲ መገዲ ኣየር በዓል ዋና ብዘመናውያን ቴክኖሎጂታት ዝተደገፋ ነፈርቲ ብምዃን ኣብ ኣፍሪካ ግንባር ቀደም ኣገልግሎት ውሃብነቱ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።
ላዕለዋይ ምክትል ፕረዚደንት ንግዲ መሸጣን ማርኬቲንግ ኩባንያ ቦይንግ ብራድ ማክሙለን ብወገኖም፣ ኣብ መንጎ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኩባንያ ቦይንግን ዘሎ ሽርክና 80 ዓመታት ዘቑፀረ ምዃኑ ገሊፆም።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ነፈርቲ ቦይንግ 777-9 ከምዝኣዘዘ ብምዝኽኻር፣ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እቲ ነፋሪት ብምእዛዝ ኣብ ኣፍሪካ ፈለማይ ምዃኑ ጠቒሶም።
ሎሚ መዓልቲ እውን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነፋርቲ ፅዕነት ቦይንግ 777-8F ብምእዛዝ ፈለማይ መገዲ ኣየር ኣፍሪካ ምዃኑ ገሊፆም።
እቲ ስምምዕነት ተወዳዳርነት እቲ መገዲ ኣየር ዘዕብን እናወሰኸ ዝመፀ ድልየት ካርጎ ንምምላእን ዝኽእል ምዃኑ ኣረዲኦም።