እቲ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ፀቕጢ ዕዳ ኣብ ምንካይን ናህሪ ዋጋ ኣብ ምርግጋዕን መዳይ ጭቡጥ ውፅኢት ኣመዝጊቡ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ፀቕጢ ዕዳ ኣብ ምንካይን ናህሪ ዋጋ ኣብ ምርግጋዕን መዳይ ጭቡጥ ውፅኢት ኣመዝጊቡ እዩ
ኣዲስ ኣበባ ፤ መስከረም 19/2019 (ኢዜአ) ፦ እቲ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ፀቕጢ ዕዳ ኣብ ምንካይን ናህሪ ዋጋ ኣብ ምርግጋዕን መዳይ ጭቡጥ ውፅኢት ከም ዘመዝገበ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።
ካልኣይ ፎረም ፋይናንስ 2026 ኣብ መዘክር ዓድዋ ዓወት ምክያድ ጀሚሩ።
ዕውትነት ዝተማልአ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ንዓባይ ሃገር፣ ዓብዪ ህዝብን ዓብዪ ትልምን ኢትዮጵያ ከም ዓብዪ መርኣያ ዝጥቀስ እዩ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ፓነል ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ከም ዝገለፅዎ፤ ኢትዮጵያ ኩሉመደያዊ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ትገብር ኣላ።
ስምምዕነት ምምሕያሽ ዕዳ ብውፅኢታውነት ምዝዛሙ ኣመልኪቶም፤ እቲ ምምሕያሽ ዕዳ ምስቲ ሰፊሕ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ተተሓሒዙ ፀቕጢ ፊስካልን ሸርፊን ወፃእን ንምንካይ ዕድል ከም ዝፈጥር ገሊፆም
ኣተኣኻኽባ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር፣ ዕቋር ባንክታት፣ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ፣ ሽርክና መንግስትን ውልቀን፣ ፋይናንስ ዲያስፖራን ልምዓት ዕዳጋ ካፒታልን ዘላቒ ዓቕሚ ፋይናንስ እታ ሃገር ከም ዘጠናኽርዎ ኣረዲኦም።
ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ብግደአን፤ እቲ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ናህሪ ዋጋ ኣብ ምቍፅፃር ውፅኢት ከም ዘመዝገበ ገሊፀን።
ቅድሚ ሓደ ዓመት እቲ ሪፎርም ልዕሊ 26 ሚእታዊት ዝነበረ ዓመታዊ ማእኸላይ ናህሪ ዋጋ ፣ ድሕሪ ሓደ ዓመት እቲ ሪፎርም ናብ 16 ሚእታዊት ትሕት ክብል ከም ዝኽኣለ ገሊፀን።
እቲ ውፅኢት ብምውዳድ ብዝተፈፀሙ ሪፎርምታት ፖሊሲ ገንዘብን ፊስካልን ዝተረኽበ ምዃኑ ገሊፀን።
ኣብ መዳይ ኣቕርቦት ስራሕቲ መስኖ፣ መካናይዜሽን፣ ኣጠቓቕማ መሬትን ሕርሻ ክላስተርን ዕብየት ፍርያትን መፍረያይነትን ብምዕባይ ኣቕርቦት ምግቢ ኣመሓይሾም እዮም።
ይኹን እምበር ናህሪ ዋጋ ብዝተላቕነት ንምቍፅፃር ስግኣታት ወፃእን ውሽጥን ከም ዘለዉ ብምሕባር፤ ምትእጉጓል ሰንሰለት ኣቕርቦት፣ ወሰኽ ዋጋ ነዳድን መጓዓዝያን፣ ተኣማንነት ፖሊሲ ገንዘብን ዘላቒ ምጥንኻር ፊስካልን ኣብ ቀፃሊ ኣቓልቦ ዝደልዩ ጉዳያት ምዃኖም ኣረዲኤን።