ፎረም ፋይናንስ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ውሳነታት ኢኮኖምን ሓደሽቲ ኣሰራርሓታትን ዝድህሰሰሉ መድረኽ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 19/2019 (ኢዜኣ) ፎረም ፋይናንስ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ውሳነታት ኢኮኖሚ ዝድህሰስሉን ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት ዕላዊ ዝግበርሉን ኣህጉራዊ ፅልዋ ዘለዎ ጉባኤ እናኾነ ከም ዝመፀ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ(ዶ/ር) ገሊፆም።

መበል 2ይ ፎረም ፋይናንስ ኢትዮጵያ 2026 ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።

ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ(ዶ/ር) ኣብ ዓውዲ ኢኮኖምን ፋይናንስን ዝተወሰዱ ስጉምትታት ፖሊሲ፣ መመሓየሺታት ሸርፊ ወፃኢ፣ ምንቅስቓስ ባንክታት ከምኡ እውን ናህሪ ዋጋን ሃገራዊ ሽቶታትን ብዝምልከት ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መገልፂኦም እውን ፎረም ፋይናንስ ኢትዮጵያ በቢ ዓመቱ ብሃንቀውታ ዝፅበ፣ ዓበይቲ ጉዳያት ኢኮኖምን ፋይናንስን ዝድህሰስሉን ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት ዕላዊ ዝግበርሉን ኣህጉራዊ ፅልዋ ዘለዎ ጉባኤ እናኾነ ከም ዝመፀ ተዛሪቦም።

3ይ ዙር ስትራቴጂ ተበፃሕነት ፋይናንስ ዕላዊ ከም ዝተገበረ ብምሕባር፤ ስርዓት ክፍሊት እታ ሃገር ምስ ኣህጉራዊ ስርዓት ክፍሊት ኣፍሪካ(PAPSS) ናይ ምርኻብ ስራሕ ከም ዝስራሕ እውን ሓቢሮም።

ዋና ስራሕ ብሄራዊ ባንኪ ምርግጋዕ ዋጋ ንክዓስል ምግባር ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ናህሪ ዋጋ ንምቕናስ ዝሳለጡ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከም ዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም።

ምርግጋዕ ዋጋ ምፍጣርን ናህሪ ዋጋ ምቁፅፃርን ሓደ ጉዳይ ምምሕያሽ ኩነታት መነባብሮ ዜጋታት ከም ዝኾነ ዝገለፁ እቶም ገዛኢ፤ እዚ ውፅኢት ድማ ብዕቤት ኣታዊ ዜጋታት ከምኡ እውን ከም ምግብን ገዛ ክራይን ዝበሉ መሰረታዊ ቀረባት ዋጋ ብምቕናስ እዩ ዝልካዕ ኢሎም።

ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ዝተረኸበ ዓወት መመሓየሺ ሸርፊ ወፃኢ ብዝምልከት እውን ከም ዝበልዎ፤ ካልኦት ሃገራት ቅብ 10 ዓመታት ዘዐወትኦ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ንምዕዋት እናሰርሐት ከም ዝኾነት ኣረዲኦም።

ዋና ዕላማ ብሄራዊ ባንኪ ኣብ መንጎ ኦፍሴላውን ፀሊም ዕዳጋን ዘሎ ኣፈላላይ ብምፅባብ ሓደ ዕዳጋ (Converge) ንክፍጠር ምግባር እዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ እውን ምስ ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ብምትሕብባር ኣብ ዘይሕጋዊ ዕዳጋ ሸርፊ ወፃኢ ቁፅፅር ዝገብር ዝተወደበ ስርዓት እናተዘርገሐ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ብሄራዊ ባንኪ ልዕሊ 3 ቢልዮን ዶላር ንጨረታ ከም ዘቕረበን እዚ ቀረብ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉን ኣረጋጊፆም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም