ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ዝተሳለጡ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ብልፅግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር መሰረት ዘንፅፉ እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ዝተሳለጡ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ብልፅግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር መሰረት ዘንፅፉ እዮም
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 19/2019 (ኢዜአ)፦ ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ዝተሳለጡ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ብልፅግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር መሰረት ዘንፅፉ ከም ዝኾኑ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ልምዓት ሃፍቲ ሰብ፣ ወፍሪ ስራሕን ቴክኖሎጂን ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ ገሊፆም።
እቶም ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ውፅኢታት ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ንምዕባይ ብሰብ ስራሕ ብልሒ ናይ ምድጋፍ ስራሕ ክጠናኸር ከም ዘለዎ እውን ኣገንዚቦም።
ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጂ፣ ምርምር ፈጠራን ኢንተርፕረነርሽፕን ትኹረት ዝገበረ ጉባኤ ኣብ ሙዚየም ሳይንስ የካይድ ኣሎ።
ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ልምዓት ሃፍቲ ሰብ፣ ወፍሪ ስራሕን ቴክኖሎጂን ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ ከም ዝገለፅዎ፤ ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ዝተሳለጡ ተግባራት ብልጽግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር መሰረት ዘንፀፉ ውፅኢታት ተመዝጊቦም እዮም።
እቲ ቤት ምኽሪ ንሳይንስን ቴክኖሎጂ ምቹው ምህዳር ዝፈጥሩ ኣዋጃት ኣብ ስራሕ ንክውዕሉ ብሰፊሑ ክሰርሕ ፀኒሑ እዩ።
ንኣብነት ኣዋጃት ኤሌክትሮኒክ ፊርማ፣ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን፣ ንግዲ ኤሌክትሮኒክ፣ ዲጂታል መለለዪ መንነትን ሓለዋ ውልቃዊ ሓበሬታን በቲ ቤት ምኽሪ ፀዲቖም ካብቶም ኣብ ስራሕ ዝወዓሉ ምዃኖም ጠቒሶም።
እቲ ቤት ምኽሪ ሕጊ ምውፃእ ጥራሕ ዘይኰነስ ዝወፁ ሕግታት ተግባራዊ ምዃኖም ስራሕቲ ምክትታልን ምቁጥጣርን ብልዑል ቆራጥነት ክሰርሕ ጠኒሑ እዩ ኢሎም።