ፈረንሳይ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ታሪኻውን ቴክኖሎጅያውን ምሕዝነት ኣብ ሓለዋ ሓድጊ፣ ሓባራዊ ምርምርን መፅናዕቲ ቅሪተ ኣካላትን ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ፈረንሳይ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ታሪኻውን ቴክኖሎጅያውን ምሕዝነት ኣብ ሓለዋ ሓድጊ፣ ሓባራዊ ምርምርን መፅናዕቲ ቅሪተ ኣካላትን ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 19/2019 (ኢዜኣ): - ፈረንሳይ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ታሪኻውን ቴክኖሎጅያውን ምሕዝነት ኣብ ሓለዋ ሓድጊ፣ ሓባራዊ ምርምርን መፅናዕትን ቅሪተ ኣካላትን ተጠናኺሩ ምቕፃሉ በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያ ምስ ማእኸል ሃገራዊ ምርምር ሳይንስ ፈረንሳይ (CNRS) ብምትሕብባር ዘጣየሾ “ፓሊትዮፕስ” (Paleothiopse) ዝተብሃለ ሓባራዊ ዓለም ለኸ ማእኸል ምርምር ላቦራቶሪ ብዕሊ ስራሕ ናይ ምጅማር መርሃ ግብሪ ተኻይዱ።
ምክትል ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያ ኤልያስ ሽኩር ኣብቲ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ዘሎ ርክብ ንነዊሕ ዘመናት ዝፀንሐን ኣብ ጠንካራ ዲፕሎማሲያዊ መሰረት ዝተሃነፀን እዩ።
እቲ ታሪኻዊ ምትእስሳር ብዓውዲ ሳይንስን ምርምርን እንትግለፅ ፍሉይ ትርጉም ከም ዘለዎ ተዛሪቦም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ሰብ ሞያ ሳይንስ ፈረንሳይ ምስ ሰብ ሞያ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብ ፓሊዮንቶሎጂ፣ ኣርኪዮሎጂን መፅናዕቲ ሓድግን ብርክት ዝበሉ ዕዉታት ስራሕቲ ምርምር ከም ዘሳለጡ ኣዘኻኺሮም።
ኢትዮጵያ መርከቢ ወዶ ሰብን ቅድመ-ታሪኽን ምዃና ንዓለም ኣብ ምልላይ ሓባራዊ ምርምር ሳይንስ ክልቲኤን ሃገራት ዘበርከቶ ኣስተዋጽኦ ልዑል ምዃኑ ጠቒሶም።
እቲ ሓዲሽ ላቦራቶሪ እውን ነቲ ድሙቕ ታሪኽ ናብ ዝለዓለ መድረኽ ዘሰጋግር ድልድይን ህያው ሓወልቲ መርኣያ ድልየት ታሪኽ ወዲ ሰብ ብዕምቆት ምርማር ምዃኑ ገሊፆም።
ምክትል ኣምባሳደር ፈረንሳይ ጁሌን ቮተረዝ ብግደኦም፤ ምኽፈት እቲ ላቦራቶሪ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ምርምር ፓሊዮንቶሎጂ ሓዱሽ መድረክ ምዃኑ ገሊፆም።
ክልቲኦም ሃገራት ኣብ ፓሊዮንቶሎጂ፣ ሓለዋ ሓድግን ሓባራዊ ልምዓትን ዘለዎም ምትሕብባር ጠንካራ ምዃኑ ዝጠቆሙ እቶም ምክትል ኣምባሳደር፤ እቲ ሓዱሽ ላቦራቶሪ ተመራመርቲ ፈረንሳይን ኢትዮጵያን ኣብ ነዊሕ ግዜ ትልሚ ብሓባር ዝሰርሕሕሊ ማዐቀፍ ከም ዝፈጥር ተዛሪቦም።
ፈረንሳይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሓድጊ ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከም ትቕፅል ብምርግጋፅ ሓድጊ ኢትዮጵያ ክምለሱ ንምግባር እውን ፈረንሳይ ድሉውቲ ምዃና ገሊጾም።