ዲጂታል ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ዓውዲ ቱሪዝም ንምዕባይ ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 19/2019 (ኢዜኣ)፦ ዲጂታል ቴክኖሎጂን ሰብ ስራሕ ብልሕን ብምጥቃም ዓውዲ ቱሪዝም ንምዕባይ እናተሰርሐ ከም ዝኾነ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር እዚ ዝገለፃ ዓውዲ ቱሪዝም ብፈጠራ ዲጂታልን ብሰብ ስራሕ ብልሕን (AI) ንምዕባይ ኣብ ዘተኰረ መበል 6 ሰሙን ቱሪዝም ኦሮሚያ “ፈጠራ ዲጂታል ንሓቛፋይ ቱሪዝም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መርሃ ግብሪ እዩ።

ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ሰብ ስራሕ ብልሒ (AI) መባፅሒታት ቱሪዝም ዝፋለጡሉ፣ ጉዕዞታት ዝትለምሉ፣ ንግዲ ቱሪዝም ዝንቀሳቐስሉ ከምኡ እውን ዑደተኛታት ዝረኽብዎ ተሞክሮ እናቐየሮ ምምፃኡ ገሊፀን።

ሽግግር ዲጂታል ክፉት፣ ሓቛፋይን ሰብ ተኮር ክኸውን ከም ዝግባእ ብምግላፅ፣ ጥቕሚ ቴክኖሎጂ ብውሑዳት መባፅሒታት ቱሪዝምን መድረኻት ዲጂታል ጥራሕከይግደቡ  ኣገንዚበን።

ፖሊሲ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ብዓውዲ ብቴክኖሎጂ ዲጂታልን ሰብ ስራሕ ብልሕን (AI) ንምምሕያሽ ኣንፈት ከም ዝተሓዘ ብምግላፅ፣ መርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ቱሪዝም ኢትዮጵያ እውን ንዑደተኛታት ሓበሬታ መባፅሒ ካብ ምሃብ ሓሊፉ ምስ ዑደተኛታት፣ ሆቴላትን ካልኦት ተወሳእቲ እቲ ዓውዲን ንምራኸብ የገልግል ኣሎ ኢለን።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቴክኖሎጂ ሰብ ስራሕ ብልሒ ዝተሓወሶ መርበብ ሓበሬታ ቱሪዝም ኦሮሚያን ካልኦት መድረኻት ዲጂታል ቱሪዝምን ዕላዊ ኰይኖም እዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም