ዓለም ለኻዊ ምህዳር ሳይንስን ፈጠራን ዝርከብ ወለዶ ንምፍራይ መሰረተ ልምዓት ዲጂታል ትምህርቲ እናተሃነፀ እዩ - ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ - ኢዜአ ትግርኛ
ዓለም ለኻዊ ምህዳር ሳይንስን ፈጠራን ዝርከብ ወለዶ ንምፍራይ መሰረተ ልምዓት ዲጂታል ትምህርቲ እናተሃነፀ እዩ - ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ
ኣዲስ ኣበባ ፤ መስከረም 19/2019 (ኢዜኣ) ፦ ዓለም ለኻዊ ምህዳር ሳይንስን ፈጠራን ክረከብ ዝኽእል ወለዶ ምድላው ዝኽእል መሰረተ ልምዓት ዲጂታል ትምህርቲ እናተሃነፀ ምዃኑ ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ገሊፆም።
ኣብ ምርምር ሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ ፈጠራ፣ ዲጂታላይዜሽንን ኢንተርፕርነርሽፕን ትኹረት ዝገበረ ጉባኤ ኣብ ሙዚየም ሳይንስ ይካየድ ኣሎ።
እቶም ሚኒስትር ኣብቲ ጉባኤ ከም ዝበልዎ፤ ጥቕምን ጉድኣትን ቴክኖሎጂ ብምምዝዛን ንዝተደለየ ዕላማ ብኣግባቡ ንምጥቃም ግቡእ ክእለትን ተሞክሮን ምጭባጥ የድሊ።
እዙይ ንምዕዋት ክእለት ተበፃሒ ምግባር ቀንዲ ጉዳይ ብምዃኑ መፃኢ ምህዳር ሳይንስ ዝረከብ ወለዶ ምፍራይ ጉዳይ ህልውና ተገይሩ ብትኹረት እናተሰርሐሉ እዩ ኢሎም።
ተምሃሮን መምህራንን ቴክኖሎጂ ከም መሳርሒ ጥራሕ ዘይኰነስ ሓበሬታ ብግቡእ ናይ ምድላይ፣ ናይ ምግምጋምን ናይ ምፍጣርን ዓቕሞም ብምዕባይ ዓቕሚ ዲጂታል ከዕብዩ ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም።
እዙይ ንምግባር መንግስቲ ኣብ ኩሎም ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲታት ላብራቶሪ ኮምፒዩተር ንምምላእ ዕላማ ተታሒዙ ፃዕሪ እናተገበረ እዩ ኢሎም።
እዙይ ድማ ተምሃሮ ክእሎት ኮዲንግ፣ ዲጂታልን ፈጠራን ንምዕባይ ምቹእዉ ኩነታት ዝፈጥር ምዃኑ ኣመላኺቶም።
ብተወሳኺ ዓለም ለኻዊ ምህዳር ሳይንስን ፈጠራን ክረከብ ዝኽእል ወለዶ ንምድላው ዘኽእል መሰረተ ልምዓት ዲጂታል ትምህርቲ እናተሃነፀ ምዃኑ ኣረዲኦም።